ቀዳመይቲ መጽሓፍ ብጆን ፎስተር
ትርጉም ብይሳኮር
ክንዲ ናይ ጳውሎስ ዝበዝሕ ሓለፋታት ዝነበሮም ሚስያናውያን ሒደት እዮም። እቲ ድሕሪቲ ዕግርግር ኣብ የሩሳሌም ንጳውሎስ ዚኣሰሮ ሮማዊ ሓለቓ (ግብሪ ሃዋርያት 21፡33) ሓደ ዘይኮነስ ሰለስተ ጳውሎስ ዚነበረ ኮይኑ ተሰሚዕዎ ክኸውን ይኽእልዩ። ቀዳማይ፡ ጳውሎስ ነቲ ሓለቓ ብግሪኽ ተዛረቦሞ ወዲታ ዩኒቨርሲቲ ግሪኽ ዝነበራ ከተማ፡ ወዲ ጠርሴስ ከም ዝኾነ ሓበሮ (ግብሪ ሃዋርያት 21፡37-39)።
ካልኣይ፡ ጳውሎስ ነቲ ህዝቢ ብቋንቋኡ፡ ብቋንቋ እብራውያን ማለት ብኣራማይክ ተዛሪቡ ኣህደኦሞ (ግብሪ ሃዋርያት 21፡40-22፡2) ብዛዕባቲ ኣብ የሩሳለም ዝተማህሮ ተወሳኺ ትምህርቲ እብራውያን ነገሮም። ብሳልሳይ፡ (ወተሃደራቱ ንጳውሎስ ከበሳብስዎ ፈቒድሎም ነበረሞ) ካብ ሮማዊ ዜግነት ክወስድ ሓለፋ ዝረኸበ ቤተሰብ ከም ዝመጸ ብምዝራቡ ጳውሎስ ነቲ ሓለቓ ኣሰንበዶ (ግብሪ ሃዋርያት 22፡25-29)። ጳውሎስ ኣባል እዚ ሰለስቲኡ ከባቢታት ማለት ግሪኽ፡ እብራዊን ሮማዊን ነበረ።
ገሊኦም እቶም ሃዋርያት ግሪኽ ኣጸቢቖም ክዛረቡን ክጽሕፉን ይኽእሉ ኣይነበሩን። ጳጳያስ እተባህለ ኣቡን (ኣብ ከባቢ 130 ዓመተ ምህረት) ጴጥሮስ ንማርቆስ ከም ኣስተርጓሚ ይጥቀመሉ ከም ዚነበረ ይነግረና። ገለ ምሁራት ኸኣ ማርቆስ ናብ ላቲን ይትርጉም ከም ዚነበረ ይኣምኑ። ዝኾነ ኮይኑ እቲ መንእሰይ፡ እቲ ወዲ ከተማ (ማርቆስ) ካብቲ ገፋፊ ዓሳ (ጴጥሮስ) ኣጸቢቑ ግሪኽ ይዛረብ ከም ዚነበረሲ ዳርጋ ኣየከራኽርንዩ። ጳጵያስ ከምዚ ይብል፡
መስርዕ ጊዜ ሓልዩ ደኣ ኣይኹንምበር፡ ማርቆስ፡ ኩሉ እቲ ክዝክሮ ዚኸኣለ ክርስቶስ ዝበሎን ዝገበሮን ተጠንቂቑ ጽሒፍዎ እዩ። ... እታ እንኮ ዕላማኡ ሓንቲ ነገርውን ትኹን ከይገድፍን ወይስ ብጌጋ ከይገልጻን ነበረ። (ያንግ 209)
በዚ ከምዚ ኸኣ እታ ቀዳመይቲ ወንጌል ክትጸሓፍ ከኣለት።
ኩሉ እቲ ዳሕራይ ተኣኪቡ ንሓድሽ ኪዳን ዘቖመ ሰነዳት ብቋንቋ ግሪኽ እተጻሕፈ ነበረ። ቅድሚኡ ሰለስተ ሚእቲ ዓመታት ኣቢሉ፡ ኣይሁድ ኣለክሳንድርያ ነቲ ቅዱስ ጽሑፋት እብራይስጢ (ብሉይ ኪዳን እንብሎ) ካብ ቋንቋ እብራይስጢ ናብ ቋንቋ ግሪኽ ተርጒሞምዎ ነበሩ። ስለዚ ኸኣ እዚ ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስና እንብሎ ዘሎና መጽሓፍ ብምሉኡ በዚ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዚነበሮ ቋንቋ ተዳልዩ ነበረ። እዚ ኸኣ መልእኽቲ ክርስትና ኣብ መንገዱ ክስልጥ ሓጊዙ እዩ።
ኩሎም ቋንቋታት ኣብ መዓልታዊ ህይወት ንዘገልግሉ ነገራት ዝኾኑ ቃላት ኣለዉዎም። ይኹምበር ገለ ቋንቋታት ዝኾነ ይኹን ዓሚቑ ሓሳባት ንምግላጽ ዝኾኑ ቃላት የብሎምን። ግሪኻውያን ብዛዕባ ሓሳባት፡ ስነ-ምግባር፡ ትርጉም ህይወትን ባህሪ ኣምላኽን ምዝርራብ ልምዲ ነበሮም። ንኹሉ ዝኸውን ቃላት ኸኣ ነበሮም። ቋንቋኦም ኸኣ ልዕሊ ኣብቲ እዋንቲ ዚነበረ ዝኾነ ይኹን ቋንቋ ዝሃብተመ ነበረ። ሓሳባት፡ ንዑኡ ክገልጽ ዝኽእል ቃላት እንተ ዘይብሉ፡ ክስጉም ኣይኽእልንዩ። ሃብታም ቋንቋ ግን ዓሚቑ ሓሳባት ክውን ንክግብር ይኽእል። ነዚ ኣበርክቶ ቋንቋ ግሪኽ ኸኣ እቶም ቀዳሞት ክርስትያን ሓሰብቲ ወይስ ፈላስፋታት ከስተብህሉሉ ከኣሉ። ብዛዕባ ሰላም ሮማ፡ ኦሪገን ኣምላኽ ንህዝብታት የዳልዎም ነበረ ኢሉ ኣሎ። ሕጂ ኸኣ ኣምላኽ ንግሪኻውያን ከመይ የዳልዎም ከም ዚነበረ፡ ነቲ መምህር ኦሪገን ዚነበረ ቅለምንጦስ በዓል ኣለክሳንድርያ ክንጠቅስ ኢና።
ኣምላኽ ምንጪ ኩሉ ሰናይ ነገራት እዩ - ገሊኡ ብቐጥታ ገሊኡ ብተዘዋዋሪ መንገዲ። ንሱ ቀጥተኛ ምንጪ ሓድሽን ብሉይን ኪዳን እዩ። ንሱ ኸኣ ዘይቀጥተኛ ምንጪ ፍልስፍና ግሪኽ እዩ። ምናልባትውን ጎይታ ንግሪኻውያን ክሳብ ዝጽውዖም፡ ኣምላኽ ንግሪኻውያን ፍልስፍና ሃቦም እውን ክንብል ንኽእል ኢና። ከምቲ ሕጊ ንእብራውያን ዝመሃሮም (ገላትያ 3፡24) ከምኡ ኸኣ ናብ ክርስቶስ ከምጽኦም ፍልስፍና ንግሪኻውያን መሃሮም። ስለዚ ፍልስፍና ምድላው ነበረ። (ያንግ 100)
ኣብዚውን እቲ ምድላዉ ምሉእ ነበረ። እቲ ጊዜ ኸኣ በጽሐ።
ሃይማኖት እብራውያን
ንምምጻእ ክርስቶስ እቲ ዝዓበየ ምድላው ኣብ ሃይማኖት እብራውያን ነበረ። በዚ ጉዳይዚ፡ ናብ ኦሪገንን ንሱ፡ ንሰልሰስ ክርስትና ኣብ ሓንቲ ጫፍ ናይ ዓለም ከም ዝተበገሰ ገይሩ ዘባጨወሉ ባጫ ንምምላስ እተጠቕመሎም ቃላት ካብ ምቕላብ ዝሓሸ ኣማራጺ ክህልወና ኣይኽእልንዩ።
ኣምላኽ ደቂሱ ኣይነበረን። ኣብ ማእከል ሰባት ዝኾነት ዘበለት ሰናይ ነገር ስራሕ ኣምላኽ ነበረት። ይኹንምበር፡ ምምጻእ ክርስቶስ፡ ኣምላኽ ሓደ እዩ ኢሎም ዚኣምኑ ሰባት ዘለዉዎ፡ ነቶም ናብ ክርስቶስ ዘመልክቱ ዚነበሩ ነብያት ዘንብብሉ ቦታ፡ ክርስቶስ ሓደ መዓልቲ መጺኡ፡ ካብዚ ቦታ እዚ ናብ ብምልእታ ዓለም ክውሕዝዩ ኢሎም ዝመሃሩሉ ቦታ ጥራዩ ክኸውን ዝኽእል። (ያንግ 1)።
ካብ ዘረባ ኦሪገን ክልተ ሓሳባት ክንምርምር ኢና፡
ቅዱሳት ጽሑፋት እብራውያን ናብ ክርስቶስ የመልክቱ፡
ሃይማኖት እብራውያን ንዓለም ንትምህርቲ ክርስቶስ የዳልዋ ነበረ።
ቅዱሳት ጽሑፋት እብራውያን ናብ ክርስቶስ የመልክቱ
ኩሎም ወንጌላት ከም ዝብልዎ፡ የሱስ ፍጻመ ትንቢት ከም ዝኾነ ተዛሪቡ ኣሎ። ኣብ ናዝሬት ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ፡ ኢሳይያስ 61፡1-2 ድሕሪ ምንባቡ፡ ነቲ መጽሓፍ ዓጸዎሞ ሎሚ እዚ ጽሑፍ እዚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ በሎም። ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ የሩሳሌም ምእታዉ (ማቴዎስ 21፡2-5) ዝርዝር ምፍጻም ዘካርያስ 9፡9 እዩ። ኣብ መንገዲ አማሁስ ከኣ፡ ካብ ሙሴን ኩሎም ነብያትን ሒዙ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኩሉ ጽሑፋት ዘሎ ኺትርጉመሎም ጀመረ (ሉቃስ 24፡27)።
ኣብ ግብሪ ሃዋርያትን መልእኽትታትን ተጻሒፉ ከም ዘሎ ሚስዮናውያን ሰበኽትን መማህራንን እዚ ተስፋ እተገብረሉ መድሓኒ እዚ ከም እተገልጸ ብቀጻሊ ነዚ መሃሩ።
ኣብ ከባቢ 140 ዓመተ ምህረት ኣብ ሮማ ሚስዮናዊ ዚነበረ፡ ጃስቲን፡ ንኣንበብቱ፡ እቲ ዝበለጸን ሓቀኛን መርትዖ፡ ኣብ መጻሕፍቲ ነብያት፡ ኣብኡ ብዛዕባ ልደት ሓደ ካብ ድንግል ዝውለድ፡ ንሕሙማት ዝፍውስ፡ ንምዉታት ዘተንስእ፡ እተጸልአ፡ ዝተኻሕደ፡ ኣብ መስቀል እተሸንከረ፡ ሞቱ ትንሳአኡን ዕርገቱን እተነግረልና ሃሰስ ክብሉ ምዒድዎም ኣሎ (ያንግ 103)።
ጃስቲን፡ ሓቀኛ ሃይማኖት ንነዊሕ ዘናደየ፡ ድሓር ኸኣ ኣብ ትምህርቲ ፕለቶ ረኺበያ ኣሎኹ ኢሉ ዚኣምን ዚነበረ ግሪኻዊ ነበረ። ድሕሪዚ፡ ኣብ አፌሶን፡ ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ፡ ብዛዕባ ዝያዳ እቶም ፈላስፋታት ዝጠንተዉ ሰባት ኣዕለሎ። ንሱ ምስ ነብያት ብሉይ ኪዳንን ምስቲ ፍጻመኦም ዝኾነን ክርስቶስ ከኣ ኣፋለጦ። ጃስቲን ይቕጽል፡
ኣባይ ግን ኣብ ነፍሰይ ሓዊ ተኣጉደ፡ ብፍቕሪ ነብያትን ኣዕሩኽ ክርስቶስ ብዝኾኑ ሰባትን (ሃዋርያት ማለቱ እዩ) ኸኣ ብጽኑዕ ተታሓዝኩ (ያንግ 76)።
በዚ ከምዚ ክርስትያን ኮይኑ፡ ከምቲ ንሱ ዝነበሮ፡ ንኣረሚን ይኹኑ ወይስ ንኣይሁድ፡ ንካልኦት በዚ ከምዚ ናብታ እምነት ክስሕቦም ፈተነ። ንኣይሁድ ደፊሩ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ካባኹም ንላዕሊ ንዓና ይብጽሑና ይብሎም ነበረ። እዚ ንስኻትኩም ኣይሁድ ትንቢት ሒዝኩም ኣለኹም፡ ንሕና ክርስትያናት ግን ፍጻመ ሒዝና ኣሎና ማለቱ እዩ።
ሓደ ጽቡቕ ጭራም ትምህርቲ ጃስቲን ኣብዚ እንሆ፡
ነብዪ ይብል
ሕጊ ካብ ጽዮን፡ ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ካለ ካብ የሩሳሌም ኪወጽእ እዩ። ... ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይከልዕልን እዩ፡ ደጊምሲ ውግእ ኣይክምሃሩን እዮም (ኢሳ. 2፡3-4)።
ብሓቂ ኸኣ ካብ የሩሳሌም ወጸ። ዓሰርተ ክልተ ዝቑጽሮም፡ ትምህርቲ ዘይነበሮም፡ ክእለት ዘረባ ዘይነበሮም ሰባት። ንሳቶም ብሓይሊ ኣምላኽ፡ ንኹሉ ዘርኢ ሰብ ሰበኹሉ። ... ንሕና ኸኣ ቅድም ንሓድሕድና ንቀታተል ዝነበርና፡ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ጸላእትና ንትንስእ የለናን ጥራይ ዘይኮነስ ስለ እታ ብክርስቶስ ዘላትና እምነት ብሞት ክንሓልፍውን ድሉዋት ኣሎና (ያንግ 6)።
ክርስትያን ሰበኽቲ ስልጣን ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣብዚ ጥንታዊ ቅዱስ መጽሓፍ ኣሎሞ መልእኽትና ሓቂ እዩ ክብሉ እዚ ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ሃረርታ፡ ዓብዪ ድሌት ነበሮም። እዚ ሓድሽ ኪዳን ኢልና እንጽውዖ ጽሑፋት ሽዑ ሓድሽ ነበረሞ፡ ነዚ ጽሑፋት ዘይኣመንቲ ኣይፈልጥዎን ወይውን ኣየኽብርዎንውን ነበሩ። ይኹንምበር ሰበኽቲ፡ ኣብነት ክርስቶስን ክስዕቡ ይኽእሉ ነበሩ። ናብቶም ነብያት እተዛረብዎም ቃላት ከመልክቱ እውን ይኽእሉ ነበሩ።
ሃይማኖት እብራውያን ንዓለም ንትምህርቲ ክርስቶስ የዳልዋ ነበረ
ኣብ ጊዜ ክርስቶስ፡ ካብ ጳለስታይን ወጻኢ ዚነብሩ ዚነበሩ ኣይሁድ ብዙሕ ዕጽፊ ልዕሊ እቶም ኣብ ውሽጢ ጳለስታይን ዚነብሩ ዚነበሩ ኣይሁድ ይበዝሑ ነበሩ። ግሪኻዊ ምሁር ጂኦግራፊ ስትራቦ (ኣብ 7 ዓመተ ምህረት) ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፡
ኣይሁድ ኣብ ኩለን ከተማታት ኣትዮም ኣለዉ። ስለዚ ኸኣ ዘይተቐበለቶምን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ዘይኣተወትን ቦታ ኣብ ገጽ ምድሪ ክትረክብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። (2)
እዚ ኣይሁድ ከም ዝቆጻጸሩ ዘተንብህ ሓሳባት እተጋነነ እዩ። ኣይሁድ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣይነበሮምን። ይኹንምበር፡ ብደረጃ ትምህርቶም ጸብለል፡ ሃይማኖታዊ ደረጃኦም ካብኡ ብዝዛይድ ጸብለል ዝበሉ፡ ንፉዓት ነጋዶ ነበሩ።
ኣብ ዱራ ዩሮጶስ ኣብ ሓደ ቤት ጸሎት ኣይሁድ እተረኽበት ስእሊ መንደቕ፡ ነብዪ እዝራ መምህር ኮይኑ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይሁድ እናንበበ እንከሎ ተርኢ። ገለ ካብቶም ኣብኡ ዚነበሩ ኣይሁድን ሰዓብትን ነታ ኣብ ዱራ ዚነበረት ቤት-ክርስትያን ተጸምቢሮማ ክኾኑ ዚከኣል እዩ።
ኣይሁድ ካብ ስጳኛ፡ ኣብ ምዕራብ ኣትሒዝካ፡ ኣብ ምሉእ አውሮጳን፡ ምዕራብ አስያን ክሳብ ፋርስን ምድሪ ዓረብን ክርከቡ ይኽእሉ ነበሩ። ምናልባት ኣብ ህንዲውን ክርከቡ ይኽእሉ ነይሮም ይኾኑ እዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ህንዲ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ቅድሚ ነዊሕ ከም ዝቖሙ ባዕላቶም ይብሉ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣይሁድ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ይነብሩ ነበሩ። ምናልባት ኣብ ምስሪ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ዝበጽሑ፡ ኣብ ላዕለዋይ ከባቢ ስንጭሮ ኒልን ኣብ ኢትዮጵያን (ካርታ 5) ብዙሓት ኣይሁድ ይነብሩ ነይሮም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።
ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ናታ ቤት ጸሎትን ቤት ትምህርትን፡ ኣምልኾን ትምህርትን ኣብ ቀዳም፡ መዓልታዊ ኸኣ ጸሎት ነበራ። ስለዚ ኸኣ ሃይማኖት እዚ ንእሽቶ ህዝቢ ኣብ ኩሉ ይፍለጥ ነበረ።
ብዙሓት ኣይሁድ ዘይኮኑ ሰባት ብሃይማኖታቶም ዕጉባት ኣይነበሩን። ጽውጽዋይ እቶም ብክፉእ ትምኒቶምን ዓመጻኦምን ነቶም ዝኸፍኡ ሰባት ሕልፍ ዝብሎዎም ኣማልኽቲ ምእማንውን ድሮ ኣቋሪጾምዎ ነበሩ። ብዛዕባ ሓደ፡ ልዕሊ ኩሎም፡ ሰናይ፡ ተፈታዊን ሓቀኛን ኣምላኽ ዝምህሩ መማህራን - ብፍላይ ኸኣ ግሪኻውያን ፈላስፋታት - ነበሩ። ብዙሕ እዋን ከምዚ ዝበለ ሓሳባት ክቕበል ዝጀመረ ሰብ፡ ቀጻሊ ኣምልኾ እዚ ሓደ ሓቀኛ ኣምላኽ፡ ብዛዕባኡ ዓሚቑ ትምህርትን ምስቶም ብኡኡ ዚኣምኑ ሕብረት ኣበይ ክረክብ እኽእል? ኢሉ ምስ ገዛእ ርእሱ ምዝራቡ ዘይተርፍ እዩ።
ሓንቲ ፍልጥቲ መልሲ ዚነበረት፡ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ዝብልዩ። ስለዚ ኸኣ ናብኡ መጺኡ፡ ቀዳምኩም ክሳተፋ እኽእል ድየ? ኢሉ ይሓትት። ኣብ ቅድሚኡ ዘበናት ዚነበሩ ኣይሁድ፡ ኣይትኽእልን። ካብ ኣይሁዳውያን ወለዲ እተወልደ ሰብ ጥራይ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ክጽንበር ይኽእል ዝብል መልሲ ምሃብዎ ነይሮም። ሓደ ካብቶም ዳሕረዎት ነብያት፡ ኣምላኽ ነቲ ብመከራ ስደት ባቢሎን ዝጸረየ ህዝቡ ዘለዎ ዚዓበየ መደብ ተገሊጹሉ ነበረ።
ምድሓነይ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምእንቲ ኪበጽሕሲ፡ ኣነ (ኣምላኽ) ብርሃን ኣህዛብ ከኣ ክገብረካ እየ (ኢሳ. 49፡6)።
ስለዚ ኸኣ ብብቑዕ ህይወት ንዚመላለሱ፡ ኣይሁድ ንዘይኮኑ ብኣምላኽ ኣመንቲ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ጸሎት ሓደ ፍሉጥ ቦታ ተፈልየሎም። ነዚኦም ተደናገጽቲ ኢልና ክንጽውዖም ኢና። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ፈራህቲ እግዚኣብሄር ተባሂሎም እዮም ዝጽውዑ (ግብሪ ሃዋርያት 13፡16)።
ሓደ ተደናጋጺ (ከምዚ ሎሚ እንብሎ ዘሎና) ከመይ ኢሉ ምሉእ ኣባል ይኸውን ሓደ መንገዲ እውን ተለለየ። ንሓደ ካብ ዘይ-ኣይሁድነት ናብ ኣይሁድነት ንዚመጸ ሰብ እትውሃብ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘላ ቃል ጵሮሰሊት እትብል ቃልያ (ግብሪ ሃዋርያት 2፡10። ማቴዎስ 23፡15 ረአ።) ኣባል ንኽኸውን፡ ሓደ ሰብ ሀ) ክስውእ ይግብኦ ለ) ሓደ ምሕጻብ ንጽህና ዝብሃል (እዚ ኸኣ ምስ መጀመርታ ጥምቀት ክርስትና እተኣሳሰረ) ስርዓት ምሕጻብ ክወስድ ይግብኦ ከምኡ ኸኣ ሐ) ንሕግታት ሙሴ ክሕሉ፡ እዚ ማለት ኸኣ ክግዘርን ብድሕሪዚ ኸኣ ንኹሉ ጊዜ ሕግታት ኣይሁድ "ንጹህን" "ዘይንጹህን" መግቢ ክሕሉ ይግደድ። እዛ ሳልሰይቲ እታ ዚዓበየት እትቐርብ ሕቶ እያ። ሰብ ኸኣ ስርዓታት ሕብረተሰብ ኣህዛብ ገዲፉ ናይ ብሓቂ ኣይሁድ ይኸውን። ብዙሓት ናይ ሓቂ ኣመንቲ እዚ ክግብሩ ንርእሶም ክግድዱ ይኽእሉ ኣይነበሩን። ስለዚ ኸኣ፡ ኣብ ድሕሪት እቲ ኣኼባ ቤት ጸሎት፡ ኣዕሩኽ እቲ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ኮይና እትቕጽል፡ ይኹንምበር ኣካሉ ዘይትኸውን፡ ሓንቲ ጉጅለ ተደናገጽቲ ኮይኖም ይቕጽሉ ነበሩ።
ግብሪ ሃዋርያት፡ ከምዚኦም ዝበሉ ካብ ኣህዛብ ሰዓብቲ ዚማረኹ ብዙሕ ዛንታታት ክርስትያን ሚስዮናውያን ኣእትዩ ኣሎ። እታ ቀዳመይቲ ከምዚ ዝበለት ዛንታ ብዛዕባ ሓደ ኣፍሪቃዊ እያ። ነዚ ሰብኣይ እዚ ካብ የሩሳሌም ናብታ 1,700 ማይል ኣብ ከባቢ ላዕለዋይ ስንጭሮ ፈለግ ናይል፡ ናብ መረወ ክምለስ እንከሎ፡ ፊሊጶስ ኣብ መንገዲ ኣጠመቖ (ግብሪ ሃዋርያት 8፡26-39)። ድሕሪዚ ጴጥሮስ፡ ኣብታ ማእከላይ እዚ ወተሃደራት ሮማ ኣብ ጳለስታይን ኣብ ዚነበረት፡ ኣብ ቄሳርያ ሓደ መኮነን ሰራዊት ኣጠመቐ (ግብሪ ሃዋርያት 10)። እዚኦም ክልቲኦም ቅድሚ ኣባላት ቤተ ክርስትያን ምዃኖም ተደናገጽቲ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ዚነበሩ እዮም።
ጳውሎስ ኣብ ብዙሓት ከተማታት፡ ክሰብኽ እንከሎ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ ይጅምር ነበረ። እዚ ኸኣ ካብቶም ኣህዛብ ተደናገጽቲ ኣዝዩ ዘደንጹ ፍረ ይረኸበሉ ነበረ። ኣብ መልእኽቱ ኣብ ጲስድያ፡ ንሰብ ምስ ኣምላኽ ዝዓርቆ፡ ምሕላው ሕጊ ሙሴ ዘይኮነስ እምነት ብክርስቶስ እዩ ዝብል ነበረ። ኣህዛብ ኸኣ እዚ ሰሚዖም ተሓጎሱ፡ እቶም ንዘልኣለም ህይወት እተመደቡ ዘበሉ ኹላቶምውን ኣመኑ (ግብሪ ሃዋርያት 13፡48)። ኣብ ቆሮንጦስ ከምዚ ዝበለ ስብከት ነቲ ቤት ጸሎት ኣብ ዕግርግር ሸመሞ። ጳውሎስ ጥሒሱ ወጸሞ ቲትዮስ ዮስጦስ፡ ካብ ኣህዛብ ተደናጋጺ ዚነበረ፡ ኣብ ጎኒ እታ ቤት ጸሎት ገዝኡ ከፈተሉ። ኣብዚ እቲ መራሒ ቤት ጸሎት ባዕሉ ንጳውሎስ ሰዓቦ። ንሱን ቤተሰቡን ከኣ ኣመኑ። ካብ ሰብ ቆሮንጦስውን ብዙሓት (ንጳውሎስ ኣብኡ) ሰሚዖም ኣመኑን ተጠምቁን (ግብሪ ሃዋርያት 18፡4-8)። ብኸምዚ ኸኣ ኣብ ነጸላ መንደቕ እቲ ቤት ጸሎት፡ ሰንበተ ሰንበት ቤተ ክርስትያን እትኸውን ቤት ኮነት።
ቅድም ነታ ቤት ጸሎት ዝደልዩ ዚነበሩ ሰባት፡ ሕጂ ናብታ ቤተ ክርስትያን ከመጹ ጀመሩ። ነዚ ኣብ ዕዮ ዳሕረዎት ሚስዮናውያን ኣብ ዚሰፍሐ ቦታ ክንርእዮ ኢና። ሃይማኖት እብራውያን ነቲ መንገዲ ኣጣጥሖ።
ታሪኽ ቤተክርስትያን (AD 29 – 500) ሳልሳይ ክፋል
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode