17
Sat, May
0 New Articles

ታሪኽ ቤተክርስትያን (AD 29 – 500) 4ይ ክፋል

Church yesterday & today
Typography

 ቀዳመይቲ መጽሓፍ ብጆን ፎስተር

ትርጉም ብይሳኮር

ምዕራፍ ክልተ ኣብያተ ክርስትያናት ኣባይቲ

ኣባይቲ መን? ኣበይከ?

ሰለስተ ዓበይቲ ፍጻመታት እታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትይን ኣብ ሓንቲ ቤት ኣብ የሩሳሌም እዩ ተፈጺሙ። እዚ ድራር ጎይታ (ማርቆስ 14፡12-26)፡ ምግላጽ የሱስ ንሃዋርያት ድሕሪ ትንሳአን (ዮሃንስ 20፡14-29) ምውራድ መንፈስ ቅዱስን (ግብሪ ሃዋርያት 2) እዮም። እዚ ፍጻመታት እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ካብ ምዃኑ እተበገሰ ብዛዕባ እታ ቤት ክፍለጥ ዚከኣል ዘበለ ክንፈልጥ ይግባእ እዩ። እስከ ብዛዕባ እዛ ቤት ቁሩብ ሃሰስ ኢልና ንመርምር።  


 

ቀዳመይቲ መጽሓፍ ብጆን ፎስተር

ትርጉም ብይሳኮር

ምዕራፍ ክልተ

ኣብያተ ክርስትያናት ኣባይቲ

ኣባይቲ መን? ኣበይከ?

ሰለስተ ዓበይቲ ፍጻመታት እታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትይን ኣብ ሓንቲ ቤት ኣብ የሩሳሌም እዩ ተፈጺሙ። እዚ ድራር ጎይታ (ማርቆስ 14፡12-26)፡ ምግላጽ የሱስ ንሃዋርያት ድሕሪ ትንሳአን (ዮሃንስ 20፡14-29) ምውራድ መንፈስ ቅዱስን (ግብሪ ሃዋርያት 2) እዮም። እዚ ፍጻመታት እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ካብ ምዃኑ እተበገሰ ብዛዕባ እታ ቤት ክፍለጥ ዚከኣል ዘበለ ክንፈልጥ ይግባእ እዩ። እስከ ብዛዕባ እዛ ቤት ቁሩብ ሃሰስ ኢልና ንመርምር።  

ቅድሚ ኩሉ፡ እዚ ሰለስቲኡ ጽሑፋት ብዛዕባ ሓንቲ ቤት የመልክት ከም ዘሎ ኣስተብሂልናዶ ኣሎና? ማርቆስ ነዛ ቤት እዚኣ፡ ንየሱስን ሃዋርያቱን ዝኸውን መዕረፍ ኣጋይሽ ዘለዋ፡ ዓባይን ደርቢ ዘለዋን ቤት ገይሩ ይገልጻ (ማርቆስ 14፡14-15)። ብመሰረት ምዕራፍ ሓደ ግብሪ ሃዋርያት፡ ሃዋርያት ድሕሪ ዕርገት፡ ተመልሱ። ... ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ናብታ ደርቢ ደየቡ (ግብሪ ሃዋርያት 1፡12-13)። ምስ ሃዋርያት ኣስታት 120 ዝኾኑ ሰባት ኣብኣ ተኣኪኦም ነበሩሞ ኣዝያ ገፋሕ ቤት መሲላ ትስምዓካ (ጥቕሲ 15)። ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ ክልተ፡ እቶም ዓሰርተ ክልተ ብሓንሳብ ሓቢሮም እንከለዉ ትጅምር። ኣብዚ ምንም ለውጢ ቦታ ኣይተጠቕሰን። ስለዚ እታ ቦታ እታ ኣብ ምዕራፍ ሓደ ዘላ ንሳ እያ ኢልና ንድምድም። ዮሃንስ  ኣብታ ተኣኪቦሙላ ዘለዉ ... መዓጹ ተሸጒሩ ነበረ ጥራይ ኢሉ ይነግረና። እዚ (ከም ግብሪ ሃዋርያት 1፡12) ኣብታ ዚነብሩላ ዚነበሩ ከም ማለት ኮይኑ ይመስል። ስለዚ ኸኣ ምናልባት እዚ ሰለስቲኡ ጽሑፋት እዚ ንሓንቲ ቤት ዘመልክት ይህሉ ይኸውን እዩ። ብዛዕባ እዛ ቤት እዚኣ ካልእ ተወሳኺ ሓበሬታ ክርከብ ይኽእል ይኸውንዶ?

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 12፡ ሓንቲ ክርስትያናት ንጸሎት ዚእከቡላ ናይ የሩሳሌም ቤት ተጠቒሳ ኣላ። ጴጥሮስ ብዚገርም መንገዲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሄሮዱስ ሞሊቑ፡ ንብጾቱ ኣበይ ክረኽቦም ከም ዝኽእል ፈለጠ። እታ ኣብ ኣፍደገ ዚነበረት ሰራሕተኛ፡ ሮዳ፡ ድምጹ ካብ ኣለለየቶ ናብቲ ቤት ብቀጻሊ ይመጽእ ነይሩ ማለትዩ። ኣዝያ ተሓጒሳ ነበረትሞ ነቶም ካልኦት ክትነግሮም ኢላ፡ ንጴጥሮስ ኣብ ደገ ከይከፈተቶ፡ ንውሽጢ ናብቲ ቤት ጎየየት። እዚኣ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ድሙቓት ዛንታታት ሉቃስ ሓንቲ እያ። ሉቃስ ነቲ ዛንታ ካብ ሮዳ፡ ካብ ኣፋ ረኺብዎ ክኸውን ስለ ዝኽእል እዩ ዝኸውን ስማ ዝጠቕሶ። ስም እታ ሰራሕተኛ ጥራይ ግን ዘይኮነ ስም እታ ኣስራሒታ እውን ንፈልጦ ኢና። እዚ ኸኣ ብምኽንያት እቲ ቤት ማርያም፡ ኣደ እቲ ማርቆስ ዝብሃል ዮሃንስ ዝብል ተጻሒፉልና ዘሎ እዩ። እዚ ነታ ቀዳመይቲ ወንጌል ዝጸሓፈ ማርቆስ እዩ። እዚኣስ ንሳ እታ ቤት እቲኣ ደኾን ትኸውን?

ሓንቲ ሓበሬታ እዚኣ እታ ቤት ንሳ ምዃና ከተእምነና ትኽእል ትኸውንያ። ማርቆስ ብዛዕባ ምትሓዝ የሱስ ኣብቲ ገተሴማነ ዝብሃል ቦታ ኣትክልቲ ክጽሕፍ እንከሎ ማቴዎስን ሉቃስን ዘየእተዉዋ ሓንቲ ፍጻመ ኣእትዩ ኣሎ። እቶም ካልኦት ክሃድሙ እንከለዉ ነጸላ እተኸድነ ጎበዝ ድማ ሰዓቦ። ንኡኡ ኸኣ ሓዝዎ። ንሱ ግና ነጸላኡ ሓዲጉሎም ጥራይ ዝባኑ ሃደመ (ማርቆስ 14፡51-52) ይብለና።

እታ ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ መቐበል ኣጋይሽ ዚነበራ ቤት፡ ቤት ማርያም ኣደ ማርቆስ እንተ ኾይና፡ ምናልባት እዚውን ባዕሉ መንእሰይ ማርቆስ ኪኸውን ይኽእልዩ። ድሕሪ ድራር፡ የሱስን ኣዕሩኽቱን ክወጹ እንከለዉ ማርቆስ ሰምዖም እሞ ካብ ዓራት ብድድ በለ። ክዳኑ ክኽደን ኢሉ ጊዜ ከይጥፈአ ኸኣ ሰዓቦም። ነዛ ፍጻመ እዚኣ ሕውስውስ ብዚበለ ስምዒት ዝዘከራ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ ዓብዪ ፍጻመታት እዛ ንእሽቶ ተራ እውን ስለ ዚነበረቶ ሓበን ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእልዩ። ፍርሂ ገዛእ ርእሱ ኣብኡ ሓቢኡ፡ ብዛዕባ ፍርሒ ካልኦት - ኩሎም ኸኣ ሓዲጎምዎ ሃደሙ -  ኢሉ ኪነግር ምናልባት ኣሕፊርዎ ኪኸውን ይኽእልዩ።

እዚ ናይ መርመራ ዕዮና፡ እታ ቀዳመይቲ መአከቢት ቦታ ቤተ ክርስትያን ክርስቶስ ኪትከውን እትኽእል ቤት፡ ቀዳመይቲ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናት ኣባይቲ ናብ ዚኾነት ናብ ቤት ማርያም ኣደ ማርቆስ፡ ኣብ የሩሳሌም መሪሑና ኣሎ።

ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያናት ኣባይቲ ምስ ስም እቶም ኣብ ኣባይቶም ክርስትያናት ዚእከቡ ተጠቒሰን ኣለዋ። ንኣብነት ኣብ ፊሊጲ (ግብሪ ሃዋርያት 16፡40)፡ ኣብ ቆሮንጦስ (ግብሪ ሃዋርያት 18፡7)፡ ኣብ ሮማ (ሮሜ 16፡5፤ ሮሜ 16፡14፤ ሮሜ 16፡15)፡ ኣብ አፌሶን (1 ቆሮንጦስ 16፡19)፡ ኣብ ሎዶቅያ (ቆሎሴ 4፡15)፡ ኣብ ቆሎሴ (ፊሊሞን 1-2)። ምሳታቶም ንዘለዉ ኣሕዋትን፡ ቅዱሳን (ማለት ከምኦም ክርስትያናት)፡ ምሳታቶም ዘለዉ ዝብል ሓረጋት ኣብታ ናይ ቤቶም ቤተ ክርስትያን ዘለዉ ዝብል ኮይኑ ይጥዕም እዩ። ብዙሓት ካብ እዘን ኣብያተ ክርስትያናት ኣባይቲ፡ ልክዕ ከምታ ኣብ የሩሳሌም ዚነበረት፡ ኣብ ኣባይቲ ኣንስቲ፡ ምናልባት እውን፡ ኣብ ኣባይቲ መበለታት ዚነበራ እየን። ኣብ ገለ ኣብነታት ሰብኣይን ሰበይትን ተጠቒሶም ኣለዉ። ካልኦት ኣስማት ኣብ ዚተጠቕሱሉ ምናልባት እኹላት ኣባላት እታ ቤተሰብ ዘምልክቱ ክïኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ቤት፡ ሰብኡት ጥራይ ተጥቒሶም ኣለዉ።

ኣብ ምሉእ እዋን ሓድሽ ኪዳን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝበዝሐ እዋን ካልኣይ ክፍለ-ዘበን እውን ክርስትያናት ዚነበሮም ዓይነት ኣብያተ ክርስትያናት ከምዚ ዝበላ ኣብያተ ክርስትያናት ኣባይቲ ጥራይ ነበራ። ሓደ ጸብጻብ፡ ኣብ ኣርቢል (ካርታ 5) ምብራቕ ካብ ፈልግ ጢግሪስ፡ ቅድሚ 148 ዓመተ ምህረት ሓንቲ ህንጻ ቤተ ክርስትያን ከም ዚተሃንጸት ይጠቅስ። ኣብ ከባቢ 180 ዓመተ ምህረት፡ ንጉስ ኢደሳ ክርስትያን ምስ ኮነ፡ ኣብ ኢደሳ፡ 300 ማይል ምዕራብ ካብ ኣርቢል ሓደ ህንጻ ቤተ ክርስትያን ከም ዚነበረ ተወሳኺ መርትዖ ኣሎ። እቲ ህንጻ ኣብ 201 ዓመተ ምህረት ብውሕጅ ፈረሰ።

ኣብ ግዝኣት ሮማ ዚነበሩ ክርስትያናት ብኣባይቲ ዕጉባት ኮይኖም ቀጸሉ። ካልኦት ሃይማኖታት ኣብያተ መቕደስ ነበሮም። ኣይሁድ ኣብያተ ጸሎት ነበርዎም። ክርስትያናት ግን ሓደስቲ ነበሩ። መንግስቲ ኣፍልጦ ይህቦም ኣይነበረን። ብዙሕ እዋን ኸኣ ይጥርጠሩ ነበሩ። ኩሉ ጊዜ ውሕስነት ኣይነበሮምን። ኣብ ገለ ቦታታት፡ ክርስትያናት ንመቓብር ምውታቶም ዝኸውን ዝውንንዎ መሬት ነበሮም። ንመቓብር ዝኸውን መሬት ንምርካብ፡ ሰባት ብሓባር ምጥርናፍ ኣብቲ ግዝኣት ልሙድ ነበረ። ከምዚ ዝበለ ብክርስትያናት ዝቖመ፡ ማሕበረሰብ መቓብር ፍሉይ ኣቓልቦ ዝስሕብ ኣይነበረን። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ቤተ ክርስትያን ክትውንኖ እትኽእል እንኮ ንብረት መቓብራት ጥራይ ነበረ።

ኣብ ኣስታት 250 ዓመተ ምህረት፡ ኣብተን ክርስትያናት ብብዝሒ ዚነበሩለን፡ ኣብ ጶንጠስ (ካርታ 3)፡ ኣብ እስያ ማይነር፡ ኣብ ሶርያን፡ ኣብ ግብጽን ሒደት ኣብያተ ክርስትያናት ክስርሓ ከም ዚጀመራ ንሰምዕ። ይኹንምበር፡ ኣብ 250 ዓመተ ምህረት፡ ኣብ መላእ እታ ግዝኣት ስደት ተላዕለሞ ክርስትያናት ህንጻታቶም ኣጥፍኡ።

ኣብ ዱራ ዩሮጶስ (ካርታ 4)፡ ሓንቲ ናይ ሮማ ናይ ዶብ መደበር ወትሃደራት፡ ሓንቲ ህንጻ ናይ ቤት ቤተ ክርስትያን ክሳብ ሕጂ ጸኒሓ ኣላ። ሰባትውን ክርእዩዋ ይኽእሉ እዮም። ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ነዛ ህንጻ እዚኣ ኣብ 1934 ኣብ ትሕቲ ሑጻ ተቐቢራ ረኸብዋ። እዛ ህንጻ እዚኣ ቅድሚ 100 ዓመተ ምህረት እተሃንጸት ነበረት። ክርስትያናት ከም መአከቢኦም መዓስ ኪጥቀሙላ ጀሚሮም እንፈልጦ ነገር የለን። ይኹንምበር ኣብ 232 ዓመተ ምህረት እታ ህንጻ ተዓረየት እሞ ንኣገልግሎት ከም እትምችእ ኮይና ተማሓየሸት። ሓደ ናይ ማእከል መንደቕ ፈረሱ ኸኣ ክልተ ክፍልታት ሓደ ዓብዪ መአከቢ ክፍሊ ኮነ። ኣብኣ ኸኣ ንመሰውኢ ዝኸውን ብርኽ ዝበለ መድረኽ ተሰርሓላ። ኣብ ካልእ ንእስ ዝበለት ክፍሊ፡ ሓንቲ ዓማቑ ዘይኮነት ናይ ኣምኒ መሕጸቢት ኣላ። ክጥመቕ ዝደሊ ዘበለ ኣብኣ ደው ይብልሞ ማይ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ይከዓወሉ። ኣብቲ ክፍሊ መጠመቒ፡ ኣሳእል ነበረ። እቶም ኣብቲ ስእሊ ዘለዉ መነመን እዮም ከነለሊ፡ ነቶም ቅድሚ ዓሰርተ ሸውዓተ ዘበናት ዚነበሩ፡ ጥምቀት ክርስትያናት ክንደይ ዚኣክል ትርጉም ከም ዚነበሮ ክሕብረና ዘኽእል እኹል ሕብሪ ኣለዎ። እታ ኣብ ማእከል ዘላ ስእሊ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ናብቲ መጓሰ ሓንቲ በጊዕ እናምጸአ ተርኢ (ዮሃንስ 10፡14-16)። ኣብቲ ናይ ጎኒ መናድቕ፡ እቲ ዝጠዓየ መጻጉዕ (ማርቆስ 2፡5 ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ኣሎ)፡ የሱስ ንጴጥሮስ ካብ ባሕሪ ናብ ጃልባ እናእተዎ እንከሎ (ማቴዎስ 14፡31 እታ ጀልባ ንቤተ ክርስትያን እያ እትውክል)፡ እታ ኣብ ዒላ ያእቆብ ዕትሮ ሒዛ ዚነበረት ሰበይቲ (ዮሃንስ 4፡10 ማይ ህይወት)፡ እተን ሰለስተ ኣንስቲ ኣብቲ ጥርሑ መቓብር (ማርቆስ 16ን ሮሜ 6፡4 ከምቲ ክርስቶስ ... ዚተንሰአ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ክንመላለስ ...) ኣለዉ።