17
Sat, May
0 New Articles

ቫንያ ካልኣይ ክፋል

News
Typography

(ስለ እምነቱ ብሰማእትነት ዝሓለፈ ወተሃደር ሩስያ)

*********

ኣብ በረድ ድሕሪ ምፍታነይ፣ በታ ቀዳመይቲ ለይቲ፣ ምስቶም ወተሃደራት ኣብቲ ባራካ ንኽድቅስ ምስ ኣፍቀዱለይ፣ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ምሸት ክዳውንተይ ኣወጻጺአ ደቀስኩ። ኣነ ድሮ ደቂሰ ነበርኩ እቶም ወትሃደራት’ውን ከምኡ። ሃንደበት፣ መልኣኽ ተረኣየኒ እሞ “ቫንያ፣ ተንስእ!” በለኒ። ሕልሚ ዝርኢ ዘለኹ መሰለኒ። ከመይ ኢለ ክዳውንተይ ከም ዝተኸደንኩ እኳ እንተዘይተረድኣኒ ካብ ድቃሰይ ተንሳእኩ። ብድሕርዚ ምስኡ ንላዕሊ ገጸይ በረርኩ። ብማዕጾ ወይ ብመስኮት ዘይኮነስ ናሕሲ ናይቲ ባራካ ኣብ ቅድሜና ተኸፍተልና እሞ ብኡ በሪርና ናብ ካልእ ፕላኔት ከድና።


እቲ መልኣኽ “ኣብዛ ፕላኔት፣ ነገራት ከመይ ከም ዝኾኑ ዋላ ሓንቲ ኣፍልጦ ስለዘይብልካ ደድሕረይ ሰዓበኒ” በለኒ። ኣነ ድማ ሕራይ ብምባል ሰዓብክዎ። ብልዕሊ ሓደ ብሳዕሪ ዝተሸፈነ ሰፊሕ ቦታ ጌርና ናብ ሓደ ዛራ በጻሕና። እቲ መልኣኽ ነቲ ዛራ ተሳገሮ፣ ኣነ ግና ፈሪሀ ደው በልኩ። “እንታይ ኬንካ ትፈርህ?" ክብል ሓተተኒ። ኣነ ድማ “ኣትማን” ክብል መለስክሉ። “ኣይትፍራህ፣ ምሳይ ኢኻ ዘለኻ። ኣብዚ ከምቲ ናይ ምድሪ ኣይኮነን። ኣብዚ ኣትማን ዝበሃሉ የለዉን” በለኒ።

ደድሕሪኡ ድማ ተሳገርኩ። ኣብኡ ንሃዋርያ ዮሃንስ ኣርኣየኒ። ንሱ ናባይ በሪሩ ድሕሪ ምምጻእ፣ በቲ መልኣኽ ጌሩ ህይወት ኣብዛ ፕላኔት ከመይ ከም ዝኾነ ነገረኒ። ኣብዛ ፕላኔት፣ ዋላ’ኳ ጸሓይ እንተዘይርኤኹ፣ ካብቲ ምድሪ ብግዜ መዓልቲ እትበርሆ ንላዕሊ ግና በሪሃ ነበረት። ድሕሪ ዮሃንስ፣ እቲ መልኣኽ ንነብዩ ዳዊት ኣርኣየኒ። ብድሕሪ ዳዊት ንሙሴ፣ ድሕሪ ሙሴ ድማ ንነብዩ ዳንኤል። ኣነ ምስኦም ኣይተዘራረብኩን። እቲ መልኣኽ ምስኦም ይዛረብ እሞ እቲ ዝብልዎ ድማ ንዓይ ይነግረኒ ነበረ።

ንነዊሕ ምስ ተጓዓዝና፣ እቲ መልኣኽ “ነዊሕ መንገዲ ስለዝተጓዓዝና ደኺምካ ኣለኻ” ብምባል ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ዓባይ ገረብ ኮፍ ኢልና የዕረፍና። “እታ ሰመያዊት ከተማ፣ እታ ሓዳስ የሩሳሌም፣ ከርእየካ ምፈተኹ ኔረ። እንተኾነ ግና ብርግጽ ከምታ ዘላታ እንተርኢኻያ ብህይወት ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ምድሪ ገና ብዙሕ ዕዮ ተሪፉካ ኣሎ። ስለዚ ናብ ካልእ ፕላኔት ክንበርር ኢና እሞ ኣብኡ ከኣ ብርሃን ናይዛ ከተማ ጥራይ ከርእየካ እየ። እዚ ከኣ ብህይወት ከለኻ ሓዳስ የሩሳሌም ከም ዘላ ምእንቲ ክትፈልጥ እዩ” በለኒ። ናብታ ካልእ ፕላኔት ከኣ በረርና። በረኽቲ ኣኽራናት ርኤኹ። ኣብ መንጎ እቲ ኣኽራናት ድማ ዓሚቕ ስንጭሮ ነበረ። እቲ መልኣኽ ናብዚ ስንጭሮ ኣወረደኒ እሞ “ናብ ላዕሊ ገጽካ ጠምት እሞ እቲ ብርሃን ክትርኦዮ ኢኻ” በለኒ። ምስ ጠመትኩ ከኣ፣ ካብ ናይ ጸሓይ ብርሃን ይኹን ካብ ናይ ኤለትሪክ መልሓሚ (ሳልዳትርሺ) ዝወጽእ ብርሃን ኣዝዩ ዝደምቕ ብርሃን ርኤኹ። ብርግጽ ኣዒንተይ ክዓውራ እየን ኢለ እኳ እንተሓሰብኩ እቲ መልኣኽ ግና “ረአ ኣጆኻ፣ ዋላ ሕንቲ ኣይክትከውንን ኢኻ” ስለዝበለኒ ርኤኹ።

ብድሕርዚ እቲ መልኣኽ “ናብ መድሪ እትምለሰሉ ግዜ ኣኺሉ” በለኒ እሞ በሪርና ተመለስና። ናሕሲ ናይቲ ባራካ ተመቒሉ ኣብቲ ምድሪቤት ክንዓልብ ከለና ይዝከረኒ። እቲ መልኣኻ ብሓደ ሸነኽ ናይቲ ዓራት ደው በለ፣ ኣነ ድማ በቲ ሓደ ሸነኽ ናይቲ ዓራት። ኣብዚኣ ቅጽበት፣ “ውጻእ ተሰራዕ” ዝብል ድምጺ ናይቲ ተረኛ መኮነን ተሰምዐ። እቲ መብራህትታት’ውን በርሀ፣ ኣብዚኣ ቅጽበት ድማ እቲ መልኣኽ ተሰወረኒ። ናብ ዓራተይ ጠመትኩ፣ ተነጺፉ ነበረ። ናብ ገዛእ ርእሰይ ድማ ረኤኹ፣ ክዳውንተይ ተኸዲነ ነበርኩ። እቲ መልኣኽ ዘርኣየኒ ኩሉ ድማ ኣጸቢቐ እዝክሮ ነበርኩ።

እቲ ካብ ኦሎኔሽታ እትበሃል ዓዲ፣ ኣብ ግዝኣት ሱቮሮቭስክይ ናይ ሞልዳቪያ ዝመጸ ጎረቤተይ ተንሲኡ “ለይቲ ኣበይ ኔርካ?” ክብል ሓተተኒ። ኣነ ድማ “ንስኻ ክትድቕስ ከለኻ፣ ኣነውን ክዳውንተይ ኣውጺአ ከም ዝደቀስኩዶ ኣይትዝክሮን ኢኻ” ክብል መለስክሉ። “ብርግጽ ምሳይ ኣብ ሓንቲ ሰዓት ከም ዝደቀስካ እፈልጥ እየ። እንተኾነ ግና ድሕሪ ሰዓት ሰልስተ ናይ ወጋሕታ ናብ ገለ ተሰዊርካ። መሊቕካ ናብ ከተማ ኬድካ ኔርካ ዲኻ?” በለኒ። ኣነ ድማ “እስከ ንዓናይ ነቲ ተረኛ መኮንን ንሕተቶ” በልክዎ። እቲ ተረኛ መኮንን ከኣ “ለይቲ ዝወጸ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። ኣነ ኣብቲ ማዕጾ እየ ደው ኢለ ኔረ” ክብል መለሰልና።

ብድሕርዚ፣ ነቲ ጎረቤተይ ብዛዕባቲ ምስቲ መልኣኽ ዝገበርናዮ በረራ እንተነገርክዎ’ኳ ንሱ ግና ኣይኣመነንን። ንኽልተ መዓልታት ዝኸውን ኣብ ፍሉይ ስምዒት ስለዝነበርኩ፣ ብርግጽ ኣብ ምድሪ ድየ ዝነብር ኔረ ዋላስ ኣይነበርኩን፣ ኣይርድኣንን ነበረ። ምስ መኪናይ ብግቡእ እሰርሕ ነበርኩ። ብዛዕባቲ ኣብ ከባቢአይ ዝፍጸም ኩሉ ነገራትውን ንቑሕ ነበርኩ። እንተኾነ ግና ኣብ ምድሪ ምህላወይ ኣይኣምንን ነበርኩ። ምስ መልኣኽ ናብ መንግስተ ሰማያት ብዛዕባ ናይ ምብጽሐይ ወረ ከኣ ኣብ ምሉእ ኣሃዱ ተዘርግሐ። እቶም ወተሃደራውያን መኮንናት ከኣ ቀልጢፎም ክተሓሓዙኒ ጀመሩ። ኣብ መዓልቲ ካብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ክሳብ ዕስራ ግዜ ዝኸውን ናብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ጽሕፈታት ጸውዑኒ። ኣነ ግና ብርግጽ ኣምላኽ ምሳይ ስለዝነበረ ዓወት ይስመዓኒ ነበረ።

 

*********

ጉዳየይ ኣብ ወተሃደራዊ ኣሃዱ ከተማ ከርች ምስ ተጻፈፈ፣ ኣብ ጥሪ 1971፣ ኣብ ውሽጢ ባቡር ኣብ ሓንቲ ፍልይቲ ናይ እሱራት ክፍሊ (ባጎኒ) ጽዒኖም ናብ ስቨርድሎቭስክ ሰደዱኒ። ኣብኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ፣ ኣብ ፍልይቲ ካሜራ ቁ.1 ኣእተውኒ። ካብኡ ድማ ብፍሉይ ንኸሳቕዩኒ ናብ ሓሙሽተ ፍሉያት ክፍልታት ኣሰጋገሩኒ።

እታ ቀዳመይቲ ክፍሊ፣ ንእዲ መሳሊ መደቀሲ ኔርዋ።

እታ ካልኣይቲ ክፍሊ፣ ጸባብ ኮይና፣ ኣብኣ ደው ክብልን ኣብ ኮፍ መበሊ ድማ ኮፍ ክብልን እኽእል ንበርኩ።

እታ ሳልሰይቲ ክፍሊ፣ ብላዕሊ (ብናሕሲ) ብዘይምቁራጽ ዝሑል ማይ ተንጥብ ኮይና፣ ኣብኣ’ውን ደው ክብል እኽእል ነበርኩ።

እታ ራብዓይቲ ክፍሊ፣ ኣዝያ ቆራሪት ናይ መዝሓሊት ክፍሊ ኮይና፣ እቲ መዝሓሊ ዝኾነ መንደቓ ድማ ክሳብ መወዳእታ ዓቐኑ ዝሒሉ ነበረ።

እታ ሓምሸይቲ ክፍሊ፣ ንኣካላት ብጸቕጢ (Pressure) ዘሳቕዩላ መሳቐዪት ክፍሊ ኮይና፣ ንዓይ ኣብኡ ኣእትዮም ንኣካላተይ ብኣየር ብምውጣር  ከም ዝጭበጥ ገበርዎ። በብቕሩብ ጸቕጢ ናይቲ ኣየር ብምብርታዕ ጸጸኒሖም “ጽቡቕ፣ ሕጂ እንተሓሰብካሉ ይሕሸካ። እንተዘይኮይኑ ግና ኣብዚ ንሸውዓተ ዓመታት  ክትጸንሕ ኢኻ” ይብሉኒ ነበሩ። ኣነ ድማ “ፍቓድ ኣምላኽ እንተኾይኑ፣ ኣብዚ ንሸውዓተ ዓመታት ክጸንሕ እየ። እንተዘይኮይኑ ግና እዚ ስቓይ ጽባሕ ደው ክብል እዩ” በልክዎም። እዚ ኩነታት ብኸምዚ ንዓሰርተ ክልተ መዓልታት ቀጸለ። ብድሕሪኡ ናብ ከርች መለሱኒ።

*********

ነጻ ግዜ ማእንቲ ክይህልወኒ ንምኽልካልን ኣእምሮይ በቲ ናቶም ትምህርቲ ንምሕዳስን ዝዕላምኡ ብቐጻሊ ናብ ማእከላይ ቤ/ጽ እንዳጸውዑ ይዛረቡኒ፤ ይሓቱንን የፈራርሁንን ነበሩ። ኣብ መዓልቲ ዓሰርተ ግዜ ምጽዋዕ ንዕኦም እኹል ኣይነበረን። ስለዚ ኣብ ገለ እዋናት፣ ኣብ መዓልቲ ካብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ክሳብ ዕስራ ግዜ  ይጽውዑኒ ነበሩ።

ሓደ ግዜ ኣሃዱና ንፖለቲካዊ ትምህርቲ ተኣከበት። ኣብ መጀመርታ ዳርጋ ዕስራ ንኸውን ወተሃደራት ተኣኪብና ነበርና። እቲ ነቲ ትምህርቲ ሒዙልና ዝነበረ ኣዛዚ ናይቲ ኣሃዱ፣ ብዝኾነ ምኽንያት ከይመጸ ተረፈ። ስለዚ ድማ እቶም ወተሃደራት፣ ኣብ መንጎ ኣምላኸይን ኣምላኾምን ብዛዕባ ዘሎ ፍልልይ ከም ኣርእስቲ ሒዞም ናይ ገዛእ ርእሶም ክትዕ ከካይዱ ውሰኑ።

 

“ኣምላኽካ መን እዩ?” ክብሉ ሓተቱኒ። ኣነ ድማ “ኣምላኸይ ሓያልን ኩሉ ዝኽእልን እዩ” ክብል መለስኩሎም። ካብ የሪቫን፣ ኣርሜንያ ዝመጸ ሓደ ሰርገንቲ ከምዚ በለኒ “ኣምላኽካ ህያው እንተኾይኑ፣ ሓያልን ኩሉ ዝኽእልን ድማ እንተኾይኑ ጽባሕ ናብ ገዛይ ንክኸይድ ዕረፍቲ የውህበኒ። ብድሕሪኡ ድማ ኣነ ብእኡ ክኣምን እየ!” ኩሎም እቶም ወተሃደራት ድማ ነቲ ንሱ ዝበሎ ሰሚሮም “እወ፣ እግዚኣብሄር ዕረፍቲ እንተ ደኣ ኣውሂብዎ፣ ብርግጽ ኣምላኽ ከም ዘሎ ክንኣምን ኢና። ንሕጂ ግና፣ እዚ ኩሉ ትነግረና ዘለኻ ከም ጽውጽዋይ ጌርና ኢና ወሲድናዮ ዘለና። ኣምላኽካ ነዚ ዝበሃል ዘሎ እንተጌርዎ ግና፣ ንሱ ህያው ኣምላኽ ከም ዝኾነን ኩሉ ድማ ክገብር  ከም ዝኽእልን ክንኣምን ኢና” በሉኒ።

 

ብመንፈሰይ ጸሌኹ፣ ጎይታ ድማ “ክገብሮ ከም ዝኽእል ንገሮም” ክብል ገለጸለይ። ብድሕርዚ ናብቲ ሰርገንቲ ግልጽ ብምባል “ጽባሕ ናብ ገዛኻ ብዕረፍቲ ክትከይድ ኢኻ። እንተኾነ ግና እዚ ኣነ ዝነግረካ ምስ እትገብር እዩ” በልክዎ። ንሱ ሽጋራ የትክኽ ነበረ። “ሽጋራኻ ደርብያ” በልክዎ። ንሱ ድማ ደርበያ። “ሕጂ ድማ እቲ ኣብ ጅባኻ ዘሎ ባኮ ሽጋራ ደርብዮ” በልክዎ። ነቲ ባኮ’ውን ካብ ጅብኡ ኣውጺኡ ኣቃጸሎ።

 

እቲ ዘረባ ብኸምዚ ክቕጽል ከሎ፣ ብምሉኦም 150 ኣባላት ናይቲ ኣሃዱ ተኣከቡ። ብድሕርዚ፣ ሓለፍትና ስለዝመጹ ነናብ ስራሕና መቓቐሉና። በታ ምሸት፣ ምስቲ ሰርገንቲ እንደገና ተራኸብኩ እሞ ምሉእ ለይቲ መስኡ ተዘራረብና። ንክልተ ሰዓታት ዝኸውን ጥራይ እየ ደቂሰ። ንሱ ከም ዝኣምን ቃል ኣተወለይ። ኣነ ድማ ምስ ኣመነ ኣብ ገዝኡን ኣብ ዓዱን ከመይ ኢሉ ክመላለስ ከም ዘለዎ መዓድክዎ። ስድራቤቱ ብዛዕባ ኣምላኽ ዋላ ሓንቲ ዘይፈልጡ ዘይኣመንቲ እዮም ኔሮም። ዛጊት ድማ ሓላፊኡ ብዛዕባ ዕረፍቲ ዝምልከት ብፍጹም ኣይተዛረቦን ነበረ።

 

ንጽብሒቱ ንግሆ፣ ልክዕ ፊስካ ድሕሪ ምንፋሓ፣ ገለ ንብረት ንኸምጽእ ብመኪና ጌሮም ናብ ካልእ ቦታ ለኣኹኒ። ድሒረ ምስ ተመልስኩ ድማ፣ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ዝኾነ ጀነራል ካብ ኦዴሳ እትበሃል ከተማ ናብ ኣሃዱና ብምድዋል እቲ ሰርገንቲ ገዝኡ ንክኸይድ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ደቓይቕ ዕረፍቲ ክወሃቦ ከም ዝኣዘዘ ነገሩኒ። ኣነ ግና፣ ናብ ኣሃዱና ዝደወለ እቲ ጀነራል ዘይኮነስ መልኣኽ እዩ ኢለ ይኣምን። ቅጥዒ ናይ ዕረፍቲ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ምስ መልአ ድማ እቲ ሰርገንቲ ንዕረፍቲ ነቐለ። እቶም ወተሃደራት ብዛዕባዚ ምስ ፈለጡ ግና ነቶም ሓለፍቲ፣ ኣብቲ ናይ ትማሊ ፖለቲካዊ ኣኼባ እንታይ ዓይነት ክትዕ ከም ዘካየድና ብምሕባር “ኩሉ ከምቲ ቫንያ ዝበሎ ኮይኑ” ክብሉ ተዛረቡ። እቶም ሓለፍቲ እዚ ምስ ፈለጡ፣ ነቲ ኣብቶም ወተሃደራት ሰሪጹ ዝነበረ ናይ ቫንያ ኣምላኽ ነቲ ሰርገንቲ ዕረፍቲ ኣውሂብዎ ዝብል ሓፈሻዊ ርድኢት ንምፍሻል ነቲ ሰርገንቲ ኣሳዲዶም ሒዞም ንኽመልስዎ ገለ ወተሃደራት ለኣኹ። እንተኾነ ግና ድሮ ድነጉዮም ብምንባሮም እቲ ሰርገንቲ ብባቡር ጌሩ ከይዱ ጸንሖም። ስለዚ ድማ ኣርኪቦም ክሕዝዎ ከይከኣሉ ተረፉ።

ናብ ኣሃዱና ምስ ተመለስኩ፣ እቶም ወተሃደራት ከቢቦም እቲ ሰርገንቲ ከም ዝኸደ ብሓጎስ ኣበሰሩኒ። እንተኾነ ግና ናብ ማእከላይ ቤ/ጽ ስለዝተጸዋዕኩ ምስኦም ብዙሕ ከዛረብ ኣይከኣልኩን። ኣብኡ፣ ኣዛዚ ናይቲ ክፍለ ሰራዊት ዝኾነ ሜጀር ጀነራል ጸንሓኒ። ብዛዕባቲ ኩነታት ምስ ሓተተኒ ድማ ካብ ናይ ትማሊ ፖለቲካዊ ክትዕ ጀሚረ ኩሉ ዘርዚረ ነገርክዎ።

“ከመይ ጌርካ ግና ዕረፍቲ ተዋሂቡ ከም ዝኸይድ ክትፍልጥ ክኢልካ?” ክብል እቲ ጀነራል ሓተተኒ። ኣነ ድማ እግዚኣብሄር እዩ ጌርዎ ክብል መለስኩሉ።

ብትእዛዝ ናይቲ ጀነራል፣ ካብቲ ኣሃዱ ኣውጺኦም ናብ ርሑቕ ቦታ ክሰዱኒ ደልዮም እኳ እንተነበሩ፣ እቶም ወተሃደራት ኣብ ክንዳይ ደው በሉ። ኩላቶም ስርሖም ገገዲፎም ኣብቲ ማእከላይ ቤ/ጽ ተኣከቡ። ብኸምዚ ድማ ኣብቲ ዝነበርክዎ ኣሃዱ ጸናሕኩ። ድሕርዚ ፖለቲካዊ ትምህርትታት፣ ንኹላትና ንዓጺድ ናብ ናይ ሕርሻ ቦታታት ሰደዱና።

ኣነ እቲ ሰርገንቲ ካብ ዕረፍቱ ክሳዕ ዝምለስ ክጽበዮ ደልየ እኳ እንተነበርኩ፣ ንኹላትና ስለ ዝሰደዱና ግና ኣይከኣልኩን።

ብዝኾነ፣ ድሕሪ ግዜ፣ ንሕና ካብ ዓጺድ ምስ ተመለስና፣ እቲ ሰርገንቲን እቲ ጀነራልን ድማ ከካብ ዕረፍቶም ምስ ተመልሱ፣ ኣብ ኣሃዱና ሓደ ሓፈሻዊ ኣኼባ ተኻየደ። ኣብዚ ኣኼባ ከኣ ንዓይ ወንጌል ሰቢኽካ ብምባል ኣባጨዉለይን ኣፈራርሁንን። ብዛዕባ ዕረፍቲ ናይቲ ሰርገንቲ ብምልዓል ድማ ነገር ከባርዑ ፈተኑ። እንተኾነ ግና እቲ ሰርገንቲ ካብ ኮፍ ዝበሎ ተንሲኡ “ብሓይሊ መን ድየ ንዕረፍቲ ከይደ? ኣነ ሕጂ ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣሚነ እየ። ከመይሲ፣ ንስኻትኩም ናይ ዕረፍቲ ሕቶይ እንተነጸግኩሞ እኳ፣ ኣምላኽ ግና ከምዚ ጌሩ ኩሉ ክርእዮ ዝኽእል ተኣምራት ጌሩ” ብምባል ተዛረበ። ኣብ መንጎ እቶም ወተሃደራት ድማ ዓቢ ሓጎስ ኮነ። እቶም ሓለፍቲ ግና ገጾም ብሕፍረት ተጎልቢቦም ከዱ።

ኣብ ግዜ ዓጺድ ኣብቲ ናይ ሕርሻ ቦታታት፣ ጎይታ ንእምነተይ ዘጽንዓ ክልተ ራእያት ሃበኒ። እታ ሓንቲ፣ ኣብ ግዜ ለይቲ ካብ ቴንዳይ ምስ ወጻእኩ ረኤኽዋ። ኣብቲ ብከዋኽብቲ ዝደመቐ ባህ ዘብል ሰማይ ሓንቲ ብርህቲ ቀጣን ጨርቂ (ሪቦን) ተረኣየት። ኣነ ግና ብስንኪ ብርታዐ ናይቲ ብርሃን ከንብብ ኣይከኣልኩን። ስለዚ ድማ ከም ተመሃራይ ቀዳማይ ክፍሊ በብሓደ ፊደል ከምዚ ዝብል ኣንበብኩ፣ “ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ።”

ካብ ዓጺድ ምስ ተመለስና ኣሃዱየይ ኣብ ዞባ ሺራየቭስኪ፣ ኣውራጃ ኦዴሳ ኣብ ዝሆቭቲን እትበሃል ዓዲ ስርሓ ቀጸለት። ኣብኡ ዝነበረና ስራሕ ምስ ወዳእና፣ መካይንና ተሰሪዐን ናብቲ መደበር ባቡር ይኸዳ ነበራ። ኣነ ድማ ካብቲ ጋንታ ተሪፋ ብኻልእ መኪና እትጉተት ኣብ ዝነበረት ሓንቲ መኪና ንኽኣቱ ተኣዘዝኩ። ኣብ መወዳእታ ድማ መኪናይ ፈጺማ ስለ ዝተበላሸወት ዋላ ንኽትጉተት ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ በጽሐት። እቲ ትራስምስዮነ ክእለ ኔርዎ። ስለዚ ኣብ ትሕቲ እታ መኪና ብምእታው ነቲ ትራስምስዮነ ክፈትሖ ጀመርኩ። ካብቶም ወተሃደራት መራሕቲ መካይን ዋላ ሓደ እኳ ኣብ ትሕቲ እታ መኪና ታኮ ክገብር ኢሉ ዝዘከሮ ኣይነበረን። ድሕሪ ክንደይ ሃልኪ ድማ ነቲ ትራስምስዮነ ምስ ፈታሕክዎ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ከይወድቕ ናብ ጎኒ ገጸይ ተገልበጥኩ። ልክዕ ኣብዛ ግዜ’ዚኣ እታ ክልተ ቶን ሓመድ ተጻዒና ዝነበረት ዚል-164 ዝዓይነታ መኪና ተንቀሳቐሰት እሞ እቲ ዳሕረዋይ እግራ ኣብ የማናይ መንኩበይ ተሰቕለ። ርእሰይ ክኣሊ ግዜ እኳ እንተረኸብኩ ጎማ ናይታ መኪና ግና ኣብ ኣፍልበይ ደው በለ። “ንድሕሪት ምለስዋ” እናበልኩ ክጭርሕ ጅመርኩ። ኣውቲስታ ናይታ ጎታቲት መኪና፣ ሞተረ ኣተንሲኡ ክሳዕ ንድሕሪት ዝመልሳ ድማ ገለ ደቓይቕ ሓለፋ። ነታ መኪና ምስ ኣለያ ተንፏሒኸ ነጻ ወጻእኩ። ብድሕርዚ ተንሲአ ደው እኳ እንተበልኩ፣ ክጸንሕ ስለዘይከኣልኩ ቀልጢፈ ሃለዋተይ ኣጥፊአ ወደቕኩ።

ኣነ ሃለዋተይ ክሳዕ ዝፈልጥ፣ እተን መካይን ብምሉአን ኣብቲ ጽርግያ ደው በላ። ዝኾነ ይኹን ናይ ሕክምና ሓገዝ ኣይረኸብኩን። ሰዓት ሰለስተ ምስ ኮነ፣ እተን መካይን ናብ መደበር ዛቲሽየ እኳ እንተበጽሓ፣ ኣብኡ’ውን ዶክተር ኣይጸንሓናን። ሓለፍተይ ብእግረይ ደው ክብል ከም ዝኽእል ምስ ረኣዩ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ሲምፈሮፖል ክንበጽሕ ተስፋ ብምግባር ኣብተን መካይን ሰቐሉኒ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኢደይ ድሮ ሞይታ (ህይወት ዘይብላ) ኮይና ነበረት። ኣተነፋፍሳይውን ብሓይሊ ተጸጊመ እየ ዘተንፍስ ኔረ።

ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ መበል ሳልሰይቲ መዓልቲ፣ እተን ናይ ሰራዊት መካይን ናብ ሲምፈሮፖል በጽሓ። ናብ ሲምፈሮፖል ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ወጋሕታ ኢና በጺሕና። ኣብኡ ክሳብ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ንጉሆ ድሕሪ ምጽባይ ናብ ናይ ሰራዊት ሆስፒታል ወሰዱኒ። ኣብኡ እቲ ናይ መጥባሕቲ ክኢላ ዝኾነ ዶ/ር ምስ መርመረኒ ኣእዳወይ ሓፍ ከብለን ሓበረኒ። ጸጋመይቲ ኢደይ ሓፍ ክትብል ከላ የማነይቲ ኢደይ ግና ከይተንቀሳቐሰት ተረፈት። እቲ ዶ/ር መንኩበይን ኢደይን ራጂ (ኤክስ-ረይ) ድሕሪ ምልዓል ኣብቲ ሆስፒታል ዓራት ሒዘ ከም ዝድቅስ ገበረ። ንጽባሒቱ ድማ ሳንቡአይ ንምምርማር፣ እንደገና ካብቲ መደቀሲ ክፍሊ ሕሙማት ወሲዶም ራጂ ገበሩለይ። እንደገና፣ ብዘይዝኾነ ይኹን ዘረባ ናብቲ መደቀሲ ክፍሊ ሕሙማት መለሱኒ። ኣብተን ዝቐጸላ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት ድማ ናይ ኣካላተይ ሙቐት (ረስኒ) ኣዝዩ ደየበ።

ኣብ መበል ራብዓይቲ መዓልቲ፣ ኣጋ ምሸት - እዚ ሕዳር 26/1971 ማለት እዩ - ሙቐት ናይ ኣካላተይ ናብ ኣርብዓን ክልተን ዲግሪ ሰንትግረይድ ደየበ። ከተንፍስ ናብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጻሕኩ። የማነይቲ ኢደይ ድማ ዋላ ሓንቲ ህይወት ዘይብላ፣ ከም በረድ ዝሕልቲ ኮይና ነበረት። ብጸጋማይ ጎነይ ጥራይ እየ ክድቅስ ዝኽእል ኔረ።

ኣብቲ መደቀሲ ክፍሊ ሕሙማት፣ ድራር ክዕድሉ ምስ ጀመሩ፣ ኣነ ካብ ዓራተይ ወሪደ፣ እዚ ሰዓታት እዚ ኣብ ምድሪ ናይ መወዳእታ ግዜኻ እዩ ዝተበሃልኩ ክመስል ዓው ኢለ ክጽሊ ጀመርኩ። እቶም ኣብቲ መደቀሲ ክፍሊ ሕሙማት ዝነበሩ ኩላቶም ንጸሎተይ ይስመዕዎ ነበሩ። ምስ ጸለኹ ናብ ድቃሰይ ከድኩ። ብድሕሪኡ ድማ እንታይ ከም ዝተፈጸመ ኣይዝከረንን።

ንጽባሒቱ፣ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ንጉሆ ካብ ድቃሰይ ምስ ተበራበርኩ፣ ብሕቖይ ጥንቕልዒት ደቂሰ፣ ክልቲኤን ኣእዳወይ ድማ ልዕሊ ርእሰይ ተዘርጊሐን ከም ዝነበራ ርኤኹ። ናብታ ጸጋመይቲ ኢደይ ርኤኹ። ናብታ የማነይቲ ኢደይ ድማ ጠመትኩ - ክኣምን ኣይከኣልኩን … ሕልሚ ኮይኑ ተሰመዓኒ። ቀስ ኢለ ንኣእዳወይ ኣውረድክወን። እታ የማነይቲ ኢደይ ቃንዛ የብላን! ብቐሊሉ፣ ብሓርነት ድማ ከተንፍስ እኽእል ነበርኩ። ክልተ ግዜ ኣዕሚቐ ኣተንፈስኩ። ኩሉ ነገር ገረመኒ። ካብቲ ዓራት ተንሲአ ነቲ ዓራት ኣረምሰስክዎ። ምውስዋስ ኣካላት ገበርኩ። ብሓርነት ኣተንፈስኩ። ብድሕርዚ፣ ክጽልን ንኣምላኽ ከመስግንን ጀመርኩ። ክሳብ ሽዑ ድማ ሓቂ ምዃኑ ንምእማኑ ኣጸገመኒ። ኩሉ ሕልሚ ኮይኑ ጥራይ ይስምዓኒ ነበረ። ተመሊሰ ድማ ደቀስኩ።

ኣብ ናይ ንጉሆ ኮለላ፣ እቲ ተረኛ ዶ/ር፣ ኩነታት ሕሙማት ንምርኣይ መጸ። ኣባይ ሓደ ነገር ከም ዝተፍጸመ ድማ ነገርዎ። ረስኒ ናይ ኣካላተይ ክዕቅን ጀመረ። ኣነ ከኣ “እዚ ቴርሞሜተር ኣየድልየንን እዩ” በልክዎ። ንሱ ድማ “እቲ መድሃኒትካ ውሰዶ ኢኻ” በለኒ። ኣነ ከኣ “መድሃኒትካ ሓንቲ ኣይጠቐመንን” ክብል መለስኩሉ። ገሪምዎ ጠመተኒ። ኣእምሮይ ዝሰሓትኩውን መሰሎ። “ክተሕውየኒ ከምዘይኽእል ርኤኹ” በልክዎ። “ስለዚ ድማ ገጸይ ናብቲ ሎሚ ለይቲ ዝፈወሰኒ ሰማያዊ ሓኪመይ ኣቕናዕኩ” በልክዎ። እቲ ዶ/ር መሊሱ ደንጸዎ። ብድሕር’ዚ ተንሲአ ነቲ ቴርሞሜተር ወሰድክዎ፣ ከመይሲ ኩነታት ሙቐት ናይ ኣካላተይ ክፈልጥ ደልየ ስለዝነበርኩ እዩ። ሙቐት ናይ ኣካላተይ ከኣ ከምቲ ንቡር፣ ሰላሳን ሸውዓተን ዲግሪ ሰንትግረይድ ኮይኑ ጸነሓኒ። እቲ ዶ/ር ተገሪሙ ከደ።

ብድሕርዚ እቲ ናይ ሌ/ኮሎኔል ማዕርግ ዝነበሮ ናይ መጥባሕቲ ክኢላ ዶ/ር፣ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ “ኣብ ልዕሌኻ እንታይ እዩ ተፈጽሙ ሞይሲየቭ?” ክብል ሓተተኒ። ኣነ ድማ ነቲ ተረኛ ዶ/ር ዝነገርክዎ ኩሉ ተር ኣቢሉ ደገምኩሉ። ክርስትያን ምዃነይን ናብቲ ሰመያዊ ሓኪም ድማ ከም ዝተማህለልኩን ድሮ ፈሊጦም ነበሩ። እቲ ናይ መጥባሕቲ ክኢላ ዶ/ር ነቲ መዝገብ ብምግንጻል ከምዚ በለኒ፣ “ኣብዚ ርአ፣ ንሕና ንኢድካ ካብ መንኩብካ ኣልጊብና ክንቆርጻ፣ ፍርቂ ክፋል ናይ ሳንቡእካ ድማ ብመጥባሕቲ ክንኣልዮ ኢና መዲብና ኔርና። ሎሚ ድማ መጥባሕቲ ክትገብር ይግብኣካ ኔሩ። እንተኾነ ግና ሎሚ ኣብ ህይወተይ ንመጀመርያ ግዜ ኣምላኽ ብሓቂ ከም ዘሎን ንዓኻ ድማ ከም ዝፈወሰካን ርእየ ኣለኹ። ከመይሲ፣ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ንሕና ከምዚ ጌርና ክንፍውሰካ ኣይምኸኣልናን ኔርና” በለኒ።

ከምዚ ኢሉ ክዛረብ ከሎ፣ ክልተ ካልኦት ሓካይም ኣብቲ ቤት ጽሕፈቱ ነበሩ። ናብ ኣሃዱአይ ክምለስ ዝኽእል እንተኾይነ ሓተትክዎ። ንሱ ድማ “እወ፣ ሎሚ ከፋንወካ እየ” ብምባል ኩሉ ነገር ኣብቲ ናይ ሕክምና ወረቐተይ ድሕሪ ምጽሓፍ ነቲ ናይ ሕክምና ወረቐተይ ምስ ሃበኒ ወጺአ ከድኩ።

ካብቲ ሆስፒታል ወጺአ ነቲ ናይ ሕርሻ ቦታታት ዝምልከት ሰነድ ክወስድ ናብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት እንዳ ኮር ክኸይድ ኔሩኒ። ኣብ ጥቓ እቲ ማእከላይ ቤጽ ጽሕፈት እንዳ ኮር፣ ኣስታት ክልተ ሚእቲ ዝኾኑ ኣብቲ ናይ ሕርሻ ቦታታት ምሳይ ዝነበሩ ተራ ወተሃደራትን ኩሎም ሓለፍትናን ነበሩ። ምስ ረኣዩኒ ድማ ኩሎም ተገረሙ። ከምቲ ዝበለ ከቢድ ሓደጋ ኣጋጢምዎ ክንሱስ ከመይ ጌሩ ኣብ ሓሙሽተ መዓልታት ካብ ሆስፒታል ክወጽእ ክኢሉ? ብምባል ኣዝዮም ተገርሙ። እቲ ኣብቲ ሆስፒታል ዘጋጠመኒ ኩሉ ነገር ምስ ነገርክዎም ድማ ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣመኑ። 

ኣብቲ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት እንዳ ኮር፣ ንስርሐይ ዝምልከት ትእዛዛት ዝሓዘት ወረቐት ምስ ተዋህበትኒ ናብ እንዳ ኣውቶቡስ ከድኩ። ትኬት ድማ ኣቝረጽኩ። ብሃንደበት መኪና ኣብ ጥቓይ ደው በለት እሞ፣ እቲ ናይ ሰራዊት ኣውቲስታ ካብታ መኪና ወሪዱ ጸወዓኒ። ኣብታ መኪና ከኣ፣ ናይ ኮሎኔል ማዕርግ ዝነበሮ ናይ ምሉእ ዞባ ክሪምያ ኣዛዚ መኮንን ጥዕና ዝኾነ ዶ/ር ነበረ። እቲ ኣባይ ተሓሲቡ ዝነበረ መጥባሕቲ ከም ዘይተኻየደን ካብቲ ሆስፒታል ድማ ከም ዘፋነዉንን ምስ ፍለጠ ኣዝዩ ተረበሸ። ብዛዕባ ምፍዋሰይ እቶም ዶክተራት ሓቢሮሞ እኳ እንተነበሩ፣ ንሱ ግና ስለዘይኣመኖም ናብቲ ሆስፒታል ንኽመልሰኒ ወሲኑ ነበረ። እንተኾነ ግና ኩሉ ነገር ኣብቒዑ እዩ ኔሩ። ኣሕጽር ኣቢለ ጎይታ ከመይ ጌሩ ከም ዝፈወሰኒ ብምግላጽ ኢደይን መንኩበይን ምስ ኣርኣኽዎ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቃል ንክኸይድ ገደፈኒ። ናብታ ብዙሓት ፈለጥቲ ዝነበሩኒ ኣብ ከርች ዝነበረት ኣሃዱአይ ድማ ተመለስኩ። ኣብዚ’ውን፣ ብዛዕባቲ ተኣምራታዊ ኣፍዋውሳይ ምስ ፈለጡ ብዙሓት ተግረሙ።