17
Sat, May
0 New Articles

ሰማእታት ካታኮምብ (11ይ ክፋል)

Church yesterday & today
Typography

ናይ ፖሊዮ ኣብ ፍርዲ ምቕራብ  ኣብ ኣፍ ቆልዑን ዝጠብውን ምስጋና ኣዳሎኻ።  ኣብ ውሽጢ’ቲ ጥቓ ቤተ-መንግስቲ ኣብ ዝርከብ ዓቢ ህንጻ፣ ሓደ ሰፊሕ ኣዳራሽ ነበረ። ናይቲ ኣዳራሽ ምድሪ-ቤት ብእምነ-በረድ ዝተለበጠ ኮይኑ፣ እቲ ናሕሱ ድማ ንዓይኒ ብዝማርኹ ቅርጽታትን ምልኩዓት ዓንድታትን ዝተደገፈ ነበረ። ብሓደ ሸነኽ ናይቲ ኣዳራሽ ሓደ ጣኦት ዝቖመሉ መሰውኢ ይረአ። ብመንጽር ናቱ ድማ ናይ ክብሪ ኣልባሳቶም ዝለበሱ ደያኑ ተሰይሞም ይረኣዩ። ኣብ ቅድሚ እቶም ደያኑ ከኣ ወተሃደራት ንሓደ እሱር ሒዞም ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ እሱር ከኣ ፖሊዮ ነበረ። 

ብሰንኪ ዝወረዶ ገልታዕታዕ ገጹ ቀምሲሉ ነበረ። ኣቃውሙኡን ኩሉ ኩነታቱን ግና ከምቲ ናይ ቀደም ጽንዓቱን ዘይተጸዓድነቱን ይገልጹ ነበሩ። 

 

 

ዝረኣዮ ዘበለ ኩሉ ሰብ፣ በሊሕን መስተውዓልን ምዃኑ ብቐሊሉ ክርዳእ ይኽእል።

 

ናይ ንእስነት ዕድሚኡ ኣብ ዘይእዋኑ ዝቖጺ ፍርዲ ተዳልይሉ ከምዘሎ እንተተረድኦ’ኳ ፍርሃት ይኹን ራዕራዕ ናይ ምባል ምልክት ፈጺሙ ኣይተረኣዮን። ናይ ክብርቲ ወላዲቱ ካብዛ ዓለም ምፍላይ’ውን ብንግሁኡ ሰሚዑ ስለዝነበረ፣ ምስዛ ዓለም ኣተኣሳሲርዎ ዝነበረ ጽኑዕ ዝኾነ ናይ ወላዲቱ ናይ ፍቕሪ ሰንሰለት ከምዝተበትከ ተረዲእዎ ነበረ። ብዛዕባ ሞት ናይ ኣዲኡ ዝነገሮ ማርሴሉስ ኮይኑ፣ ከምዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ ፖሊዮ ስለ ኣዲኡ ክብል ጽንዓቱ ከይልሕልሕ ብምባል ነበረ። ማርሴሉስን ፖሊዮን ብምስጢር ተራኺቦም ንኽዘራረቡ ዘኽኣሎም ከኣ ሉኩሉስ እዩ ነይሩ።

 

ፖሊዮ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብዛዕባ ኣዲኡ ብጣዕሚ ይሓስብ ነይሩ። ከም ዝሞተት ምስ ሰመዐ ግና ካብዛ ዓለም ንኽፍለ ዝነበሮ ድልየት ብጣዕሚ እናሓየለ ከደ። 

 

ሞት ማለት ካልእ ዘይኮነስ ካብዛ ዓለም ናብታ ኣዲኡ ዘላቶ ዓለም ዘሳጋግሮ ድንድል መሲሉ ተራኣዮ። ብኸምዚ ዓይነት ተስፋን ምጽንናዕን ተመሊኡ ከኣ ነቲ ዝቐርበሉ ሕቶ ንኽምልስን ዝወሃቦ ፍርዲ ንኽቕበልን ተዳልዩ ክጸባበ ጀመረ። 

“ምሉእ ስምካ?” 

“ማርቆስ ሰርቪሉስ ፖሊዮ።” 

“ዕድሜኻ ክንደይ እዩ?” 

“ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት።” 

ናይቲ ቆልዓ ስም ኣብቲ ኣዳራሽ ምስ ተሰምዐ፣ ኣብ ማእከል እቶም ሰባት ናይ ድንጋጸ ስምዒት ፈጠረ። ምኽንያቱ ዓሌት ናይ ፖልዮ ኣብ ከተማ ሮማ ኣዝዮም ፍሉጣትን ክቡራትን እዮም ነይሮም።

 

“ክርስትያን ብምዃንካ፣ በዚ ገበን ተኸሲስካ ኣለኻ። እንታይ መከላኸሊ ኣለካ?።” 

ፖሊዮ ከኣ “ኣነ ዋላ ሓንቲ ዝገበርክዎ ገበን የለን። ክርስትያን ብዛዕባ ምዃነይ ግና ሓቂ እዩ። ክርስትያን ምዃነይ ኣብ ቅድሚ ሰባት ንኽእውጅ ዕድል ብምርካበይ ከኣ ብጣዕሚ ሕጉስ እየ።” 

ካብቶም ደያኑ ሓደ “ክርስትያን ዘበሉ ኩሎም ከምዚ እዮም። ኩሉ ዝዛረብዎ ቃል ልክዕ ከምዛ ኣብ ኣፎም ተነቢሩ ዝጸንሖም እዮም ዝመስሉ” በለ። 

“ገበንካ እንታይ ከም ዘስዕብ ትፈልጥዶ?” 

“ኣነ ዋላ ሓንቲ ገበን ኣይገበርኩን። እምነተይ ንእግዚኣብሄር ምፍራህን፣ ንንጉስ ከኣ ምኽባርን ይምህረኒ። ቅኑዕ ዝኾነ ሕጊ ኩሉ የኽብር እየ። ስለዚ ከዳዕ ወይ ገበነኛ ኣይኮንኩን።” 

“ክርስትያን ምዃን ሃገርካ ከም ምኽዳዕ ዘቑጸር ገበን እዩ።” 

“ክርስትያን ምዃነይ ሓቂ እዩ። ከዳዕ ግና ኣይኮንኩን።” 

“ናይ መንግስቲ ሕጊ፣ ክርስትያን ዝኾኑ ኩሎም ብሞት ክቕጽዑ ከምዘለዎም ይእዝዝ። ስለዚ፣ ክርስትያን እየ ኢልካ ትእመን እንተሊኻ ክትመውት ኣለካ።” 

ፖሊዮ ከኣ ከይተወላወለ “እወ ክርስትያን እየ” በለ። 

“እሞ ክትመውት ኢኻ።” 

“ሕራይ ከም ዝበልኩሞ ይኹን።”

 

“ኣታ ቆልዓ፣ እምበርዶ ሞት እንታይ ምዃኑ ትፈልጥ ኢኻ?”

 

“እወ፣ ኣብ ዝሓለፋ ኣዋርሕ ብዙሓት ናይ እምነት ኣሕዋተይ ክቕተሉ ከለዉ ናይ ዓይኒ ምስክር ክኸውን በቒዐ ነይረ እየ። ኣነ ከኣ ተራይ ምስ በጸሐ ህይወተይ ስለ ጎይታይ መስዋእቲ ክገብር ከም ዘለኒ ተረዲኡኒ እዩ።”

 

“ንስኻ ገና ቆልዓ ኢኻ፣ ዘእትወካን ዘውጽኣካን ንኽተመዛዝን’ውን ዕድሜኻ ኣይፈቕደልካን እዩ። ናብዚ ስሕተት ድማ ብገዛእ ፍቓድካ ከምዘይኣተኻ ኣስተውዒልና ኣለና። ስለዚ ነዚ ኩሉ ሸለል ኢልና ንኽንሓልፎ ድልዋት ኢና። 

ከምዚ ገይሩ ዘናቕጸካ ዘሎ እዚ ከንቱ ዝኾነ ሃይማኖትካ እዩ። ቅድሚ ክልተ ሚእቲ ዓመታት ተሰቒሉ ዝሞተ ሓደ ኣይሁዳዊ ከም ኣምላኽ ተቐቢልካ ብእኡ ምእማንካ ብጣዕሚ ዝገርም እዩ። ካብዚ ዝገደደ እንታይ ዕሽነት ኣሎ? ናትና ሃይማኖት ግና ናይ መንግስቲ ሃይማኖት እዩ። እዚ ሃይማኖት’ዚ ከኣ ንህጻናት ይኹን ንኣረገውቲ፣ ንምሁራት ይኹን ንመሃይማን ከዕግብ ዝኽእል ሃይማኖት እዩ። እዚ ናይ ኣኽራርነትን ናይ ዕሽነትን ሃይማኖት ገዲፍካ ናብቲ ናይ ቀደም እምነትካ ተመለስ።”

 “ክምለስ ኣይክእልን እየ።” 
 

“ካብቶም ዓሌት መኳንንቲ ዝኾኑ ዘርእኻ ተሪፍካ ዘለኻ ንስኻ ጥራይ ኢኻ። መንግስቲ’ውን ናይ ዓሌትካ ናይ ሰርቪል ዕብየት ኣይረሰዖን። ቀዳሞት ኣቦሓጎታትካ ብሓጎስን ተድላን ብምንባር ዕድሚኦም ዘሕለፉ እዮም። ንስኻ ግና ድኻን እሱርን ኮይንካ ትርከብ ኣለኻ። ኣስተውዕል ፖሊዮ፣ ነዚ ካብ ናይ ኣባሓጎታትካ ዝናን ክብርን ኣተራሪፉ ካብቲ ደረጃኦም’ውን ኣውሪዱ ኣብ ሓደጋ ከውድቐካ ተዳልዩ ዘሎ መሰናኽል ቀልጢፍካ እለዮ።” 

“ኣይክእልን እየ።”

 

“ካብ ሕጊ ወጻኢ ኮብላሊ ኮይንካ ክሳዕ ሕጂ ዘሕለፍካዮ ዘሕፍር ህይወት ኣይትረስዓዮ። ካባኻ ሓደ ኣብ ሮማ ዝርከብ ለማኒ ይሓይሽ። ብዘይ ገለ ድኻምን ውርደትን ናይ ዕለት እንጌርኡ ክረክብ ይኽእል። ብተወሳኺ’ውን ብሓርነት ጸሓይ ክመውቕ፣ ብሰላምን ብዘይስግኣትን ንኽነብር ከኣ መሰል ኣለዎ። ናይ ሮማ ሕግን ፍርድን ፈሪሑ ቀባሕባሕ እናበለ ኣይሳቐይን እዩ። ናትካ ናብራ ግና ኣብ ጸልማት ኮይኑ ብሽግርን ስእነትን ዝተኸበ እዩ። እዚ ክሳዕ ክንድዚ ኣጽኒዕካ ሒዝካዮ ዘለኻ ሃይማኖትካ እንታይ ፋይዳ ገይሩልካ? ወይ ከኣ እዚ ኣምላኽ ጌርኩሞ ዘለኹም ኣይሁዳዊ እንታይ ገይሩልካ? ስለዚ ካብዚ ናይ ስሕተት መንገድኻ ተመለስ። ከምዚ እንተጌርካ ከኣ ሃብቲ፤ ተድላ፤ ክብሪ ከምኡ’ውን ናይ ቄሳር መጎስ ናትካ ክኸውን ይኽእል እዩ።”

 

“ኣይገብሮን እየ።” 

“ኣቦኻ ጅግናን ምእዙዝን ወተሃደር እዩ ነይሩ። ህይወቱ’ውን ስለ ሃገሩ ክብል ኣብ ዓውዲ ኵናት እዩ ሰዊእዋ። ንዓኻ ድማ ስሙ ከተጸውዓሉ ምእንቲ ናይ ሃብቱን ክብሩን ወራሲ ገይሩካ። እዚ ሕጂ ሒዙካ ዘሎ ኣጉል መንፈስ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ስሕተተ ጎደና ከውድቐካ እዩ ኢሉ’ውን ኣይሓሰበን። እቲ ብሓዘን ዝተጎደአ ናይ ኣዴኻ ኣእምሮ ነዚ ናይ ጥፍኣት ትምህርቲ ክሳዕ ምቕባል ኣብጺሕዋ። ንስኻ ድማ ናታ ኣብነት ተኸቲልካ። መቸም ኣቦኻ ብህይወት እንተዝህሉ ነይሩ እዚ ኩሉ ኣይመጋጠመን ነይሩ። ንስኻን ኣዴኻን ድማ ናይቲ ውሩይ ዝኾነ ዘርእኹም ስም ካብ ምጽዋዕ ዝዓግተኩም ኣይምተረኽበን ነይሩ። ናይ ኣቦኻ ዝክር ተብዕልዶ? ናይ ውሉድነት ጉቡእካ ንኽትፍጽም እቲ ኣብ ማእከልና ዘሎ መንፈሱ ዘይደልየካዶ ይመስለካ? እዚ ተሰኪምካዮ ዘለኻ ክቡር ስም ክተርክስን ክተነውርን ዝግባእዶ ይመስለካ? ስለዚ ካብዚ ንኣዒንትኻ ኣዕዊሩወን ዘሎ ስሕተተ ተመልስ። ንዝኽሪ ኣቦኻን ንኽብሪ ዓሌትካን ክትብል ካብዚ ከንቱ መንገድኻ ተመለስ።”

 

“ንዓሌተይ ዘዋርድ ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይገበርኩን። ብዘይካ’ዚውን፣ እምነተይ ቅዱስን ንጹህን እዩ። እመውት ድኣ እምበር ንመድሓኒየይሲ ክኽሕዶ ኣይክእልን እየ።” 

“እዚ ነርእየካ ዘለና ምሕረትን ርሕራሔን ኣይትንዓቖ። ከምዚ ክንገብር ዝገበረና ከኣ ዕድሜኻን ስምካን እዩ። ከም ካልኦት ተራ እሱር እንተትኸውን ነይርካ ካብ መንጎ ሞትን እምነትካ ምግዳፍን ሓዲኡ ክትመርጽ ሓንቲ ዕድል ጥራይ ምሃብናካ ኔርና። ምሳኻ ኣብ ከምዚ ዝበለ ክርክር ዘኣተናሉ ምኽንያት ከኣ ከማኻ ዝኣመሰለ ጭዋ ቆልዓ ብጌጋ ኣብ ሓደጋ ከይትወድቕ ኢልና ኢና።” 

“ስለ ርህራሄኹም ካብ ልቢ እየ ዘመስግን። እንተኾነ ግና ክርክርኩም ዋላ ሓንቲ ከዕግበኒ ኣይከኣለን። እቲ ጎይታይ ክፍጽሞ ዝደልየኒ ግቡእ ካብቲ ናትኩም ክርክር ንላዕሊ ኮይኑ ረኺበዮ ኣለኹ።”

 

“ከመይ ዝኣመሰልካ ህውከተኛ ቆልዓ ኢኻ! እዚ ንሕና ንዓኻ ንምድሓን ንገብሮ ዘለና ጻዕሪ ከንቱ ኮይኑ እንተተራእዩካ፣ እቲ መሪር ዝኾነ ናይ ቄሳር ቑጠዐ ክትጥዕም ኢኻ።”

 

“ናይቲ ገንሸል ቁጠዐ ካብ ናይ ቄሳር ቁጠዐ ይብርትዕ እዩ።” 

“መብዛሕትኡ ግዜ ዘረባኻ ኩሉ መትሓዚ የብሉን። ናይቲ ገንሸል ቑጠዐ እትብሎ ዘለኻኸ እንታይ እዩ? እቲ ኣብ ቅድሜኻ ዝጽበየካ ዘሎዶ ኣይትፈልጦን ኢኻ?” 

“እቶም ቅድመይ ዝሓለፉ ኣሕዋተይ፣ ብዘሰቅቅ ኣገባብ ሞት ተቐቢሎም እዮም። ኣነ’ውን ከም ናቶም ሓይሊ ከም ዝረክብ እኣምን እየ።” 

“ኣብ ቅድሚ ብዙሕ ህዝቢ ንዝበጽሓካ ስቓይ ክትዕገስ ትኽእልዶ?” 

“ካብ ክእለት ሰባት ንላዕሊ ዝኾነ ሓይሊ ከምዝወሃበኒ ኣይጠራጠርን እየ።” 

“ምስ ኣናብስን ነብርታትን ክትገጥም ትኽእልዶ?” 

“እቲ ዝኣምኖ መድሓኒየይ፣ ኣብ ግዜ መከራይ ከምዘይሓድገኒ እኣምን እየ።” 

“እሞ ርግጸኛ ኢኻ ማለት’ዩ?” 

“ርግጸኛ ክገብረኒ ዝኽእለ ኣብቲ ዘፍቀረንን ህይወቱ’ውን በጃይ ዘሕለፈን ምውካለይ እዩ” 

“ብሓዊ ከምእትነድድ እንተተገብረኸ? ናይቲ ሓዊ ሃልሃልታ ትጻወሮዶ? ብዛዕብኡኸ ሓሲብካዶ ኣለኻ?” 

“ዝበጸሐ እንተበጸሓኒ ንድሕሪት ገጸይ ኣይምለስን እየ። እቲ ስቓይ ቀልጢፉ ክሓልፍ እዩ። ብድሕሪኡ ድማ ምስ ጎይታ ንዘለኣለም ብሓጎስ ክነብር እየ።” 

 

“ከምዚ ገይሩ ኣዒንትኻ ኣዕዊሩካ ዘሎ እዚ ኣጉል እምነትካ እዩ። እቲ ተዳልዩልካ ዘሎ መከራ ዝተረዳኣካ ኣይትመስልን ኢኻ። ብኣፍካ ጅግና ኮይንካ ምቕራብ ቀሊል እዩ። ምስ መከራ ገጽ ንገጽ ምስ ገጠምካ ግና ኣበይ ክትኣቱ ኢኻ?”

“ናብቲ ነቶም ናቱ ዘበሉ ኣብ ግዜ መከራኦም ከምዝረድኦም ተስፋ ዝሃበ ክጥምት እየ።”

“ክሳዕ ሕጂ ግና ዋላ ሓንቲ ኣይገበረልካን።”

“ንሱ ዘይገበረለይ ዋላ ሓንቲ ነገር የለን። ኣነ ንዘለኣለም ምእንቲ ክነብር ህይወቱ በጃይ ሰዊኡለይ እዩ። ካብዚ ሕጂ ክትወስዱለይ ተዳሊኹም ዘለኹም ስጋዊ ህይወት ንላዕሊ ህይወት ሂቡኒ እዩ።”

“እዚ ኩሉ ሕልሚ እዩ። እዚ ኩሉ ትብሎ ዘለኻ፣ ሓደ ኣይሁዳዊ ከመይ ገይሩ ክገብረልካ ይኽእል?”

“ንሱ ናይ መለኮት ምልኣት እዩ። ንሱ ብስጋ ዝተገልጸ ኣምላኽ እዩ። ንሱ፣ ንሕና ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክንረክብ ብስጋኡ መከራ ተቐቢሉ።”

“በጃኻ ኣታ ቆልዓ፣ ኣዒንትኻ ካንዶ ዓዊረን እየን? እዚ ከንቱ እምነትካ ክሳዕ ሕጂ ኣምጺኡልካ ዘሎ መከራ ኣይርድኣካንዶ እዩ ዘሎ? ንዘይረብሕ እምነት ክትብል ካብ ሙማት ምቕናይ እንተመረጽካ ይሓይሽ!”

“ንሞት ዝስዕረሉ ሓይሊ ስለዝወሃበኒ ዋላ ሓንቲ ኣይፈርህን እየ። ሞት ካብዛ መከራን ስቓይን ዝመለኣ ዓለም ናብቲ ዘለኣለማዊ ሓጎስ ዘለዎ ዘሰጋግር ድንድል እዩ። ኣማውታይ ከኣ ብኣራዊት ተበሊዐ ይኹን ብሓዊ ተቓጺለ ንዓይ ዋላ ሓንቲ ፍልልይ ኣየምጽኣለይን እዩ። እቲ ዝኣመንክዎ መድሓኒየይ፣ ኣብ እምነተይ ጸኒዐ ከምዝርከብ ክገብረኒ እዩ። ምስ ሞትኩ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህበኒ እዩ። እዚ ንስኻትኩም ከም መፈራርሂ ትጥቀሙሉ ዘለኹም ሞት ከም ዋላ ሓንቲ ኣይቆጽሮን እየ። እዚ ንስኻትኩም ክትህቡኒ ኣዳሊኹምለይ ዘለኹም ህይወት ግና ንዓይ ናይ ሞት ሞት መሲሉ ይረኣየኒ ኣሎ።”

“ፈቲኻ ጸሊእካ ሓንቲ ናይ መወዳእታ ዕድል ክንህበካ ኢና፣ ንቑሩብ ግዜ ህድእ በሎ እሞ እዚ ናይ ጽላለ ኣካይዳኻ ከስዕበልካ ዝኽእል ሓደጋ ኣስተውዕል። እቶም ናይ ስሕተት መምሃራንካ ዝመሃሩኻ ንቑሩብ ግዜ ረስዓዮ። ህይወት ምስ ሃብትን ክብረትን ኣብ ደገ ኮይና ተቐበለኒ ትብለካ ኣላ። ናይ ወለድኻ ናይ ጭዋነት ማዕርግ ይጽበየካ ኣሎ። እዚ ኩሉ ናትካ ክኸውን እንተደሊኻ ኣብዛ ጽዋእ ዘሎ መስዋእቲ ወሲድካ ኣብቲ መሰውኢ ካብ ምፍሳስ ንላዕሊ ኣይትሕተትን ኢኻ። ዝኣዘዝናካ ቀልጢፍካ ብምፍጻም ንህይወትካ ካብ ሞት ኣድሕን።”

ሽዑ ኣዒንቲ ናይቶም ኣብቲ ኣዳራሽ ቤት ፍርዲ ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ ኩለን ናብ ፖሊዮ ክጥምታ ጀመራ። እቲ ቆልዓ ፖሊዮ እዚ ኩሉ እንዳሰመዐ ከሎ ዋላ ሓንቲ ድምብርጽ ስለዘይበሎ ኹላቶም ተደነቑ። ከምዚ ዓይነት ትብዓት ክህቦ ዝኸኣለ ከኣ ሓደ ካብ ናይ ሰባት ክእለት ንላዕሊ ዝኾነ ሓይሊ ከምዝኾነ ኣስተውዓሉ።

ፖሊዮ ከኣ ጽኑዕ ብዝኾነ መንፈስ “ዝኾነ እንተኾነ ንመድሓኒየይ ኣይክሕድን እየ!” ክብል ናይ መወዳእታ ቃሉ ኣስመዐ።

ንቑሩብ ግዜ ኣብቲ ኣዳራሽ ጸጥታ ሰፈነ። እቲ ማእከላይ ዳኛ ድማ “ባዕልኻ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ፈሪድካ ኣለኻ፣ ውሰድዎ!” ክብል ነቶም ወተሃደራት ኣዘዞም።

ናይ ፖሊዮ ሞት 

ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፣ ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።

ኣብ ፖሊዮ ዝተበየነ ፍርዲ ጽኑዕ ነበረ።

እቲ ፍርዲ ምስ ተወሃበ ንጽብሒቱ ሓደ ዓቢ ምርኢት ኣብ ኮሎሲዩም ክዳሎ ጀመረ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደም ዝጸምኡ ሮማውያን ከም ኣመሎም ነቲ ስታድዩም ኣጻቢቦሞ ይረኣዩ ነበሩ።

 

 

 

ብዙሓት ተቓለስቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ንሓድሕዶም እናተጨፋጨፉ ሃለቑ። ኣብቲ ሜዳ ዝረኣዩ ምርኢታት ኩሎም ተረኣዩ። እቲ ብኣስካሕካሕነቱ ዝኸፈአ ምርኢት ድማ ካብቲ ህዝቢ ዝበዘሐ ጣቕዒትን ጭድርታን ይውሕዘሉ ነበረ።

 

 

 

እቲ ቦታ ብተደጋጋሚ ብደም ጨቀወ፣ እቲ ዕዉት’ውን ቀጻልነት ዘይብሉ ናይ ዮሃና ቃላት ካብቶም ተዓዘብቲ ተቐበለ። ሰባት ምስ ሰባት ወይ ከኣ ምስ ዝጠመዩ ኣናብር እናተቓለሱ ብዙሓት ሃለቑ። እቲ ዝቖሰለ ተቓላሲ ምሕረት ንኽግበረሉ ኣዒንቱ ነቶም ተዓዘብቲ ክምሕጸና ከለዋ፣ ብዘይካ እቲ ናይ ሞት ምልክት ዝኾነ ንቁልቁል ዝተደፈአ ኣጻብዕቲ ዓባይ ዓባይቶኦም ካልእ ዝርእዮ ኣይነበረን።

 

 

 

እቶም ሮማውያን ናይ ደም ጽምኣቶም ቅሩብ ዝሕልሕል ስለዝበለ፣ ናይ ብዙሓት ሰባት ምጭፍጫፍ ንምርኣይ ዘለዎም ባህጊ ክገልጹ ጀመሩ። ንኸምዚ ዓይነት ናይ መወዳእታ ምርኢት ዝቐርቡ ድማ ክርስትያናት ምዃኖም እቶም ህዝቢ ስለዝፈልጡ ነዚ ምርኢት ብዓቢ ተርባጽ ክጸባበዩ ጀመሩ።

 

 

 

ኣብ ጥቓ መንበር ቄሳር፣ ሉኩሉስ ምስ ካልኦት መኳንንቲ ቆይሙ ይረአ። ኣብ ገጹ’ውን ሓዘን ይንበብ ነበረ።

 

 

 

ኣብቲ ብድሕሪ ሉኩሉስ ዝርከብ ብርኽ ዝበለ ኮፍ መበሊ ሓደ ገጹ እስር ኣቢሉ ኮፍ ዝበለ ሰብ ነበረ። ንሱ ቀዉ ኢሉ ናብቲ ምርኢት ዝካየደሉ ሜዳ ይጥምት ነበረ። ኣብ ገጹ ዝንበብ ዝነበረ ናይ ስግኣት ስምዒት ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ሰባት ዝተፈለየ ገይርዎ ነበረ። ሓንቲ ካብ መዓጹ ናይተን በዓትታት ተኸፈተት እሞ ሓደ ነብሪ ሸናዕ እናበለ ናብቲ ሜዳ ኣተወ። ጭራኡ ናብዝን ናብትን እንዳወናጨፈ፣ በተን ደም ዝሰረባ ኣዒንቱ ነቲ ኣብ ዙርያኡ ከቢብዎ ዝነበረ ህዝቢ ክዕዘብ ጀመረ።

 

 

 

ብኡብኡ ድማ እቲ ህዝቢ ክጭርሕ ጀመረ። ሓደ ዕብይ ዝበለ ቆልዓ ከኣ ናብቲ ሜዳ ተደፊኡ ክኣቱ ከሎ ተረኣየ። እቲ ቆልዓ ኣካላቱ ቀጢን፣ ገጹ ድማ ዕባራን ዝቀምሰለን ነበረ። ወግዒ ከይተርፍ ተባሂሉ ናይ ተቓላሳይ ክዳን እንተኸደንዎ’ኳ ኣብ ቅድሚ እቲ ደም ዝለበሰ ኣራዊት ቆይሙ ክረአ ከሎ ግና ምስ ዋላ ሓንቲ ዝቑጸር ኣይነበረን።

ዋላ’ኳ እቲ ቆልዓ ዕድሚኡ ንእሽቶይ፣ ኣካላቱ ድማ ዕባራ እንተነበረ ናይ ፍርሃት ምልክት ዝበሃል ግና ኣይረኣዮን ነበረ። ኩሉ ኣጠማምትኡ ከኣ ብቖራጽነትን ብህድኣትን ዝተመልአ ነበረ። ብህድኣት ድማ ጉዕዞኡ ናብ ማእከል እቲ ሜዳ ገጹ ቀጸለ። ኣብቲ ማእከል ምስ በጽሐ ድማ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ኣቕኒዑ ክጽሊ ጀመረ።

 

ኣብዚ ግዜ’ዚ እቲ ነብሪ ኣብቲ ሜዳ ናብዝን ናብትን ይብል ነበረ። ናይቲ ቆልዓ ናብቲ ሜዳ ምእታው ዋላ ሓንቲ ስምዒት ኣይፈጠረሉን። ኣዒንቱ ፈጠጠጥ እናበለ ነቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ተዓዘብቲ ጥራይ ይጥምት ነበረ። ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ዘስምዖ ዝነበረ ናይ ቑጠዐ ድምጺ ከኣ ንልቢ ዘሸብር ነበረ።

እቲ ገጹ እስር ኣቢሉ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ሰብ፣ ነቲ ኣብ ማእከል እቲ ሜዳ ደዉ ኢሉ ዝጽሊ ዝነበረ ቆልዓ ቀው ኢሉ ይጥምቶ ነበረ።

እቲ ነብሪ ነቲ ዝጽሊ ዝነበረ ቆልዓ ንኸጥቅዕ ዋላ ሓንቲ ድሌት ከም ዘይብሉ ንኹላቶም ተዓዘብቲ ግልጺ ኮነ።

እቶም ተዓዘብቲ ከዕለብጡ ጀመሩ። ብኣውያትን ፋጻን ከኣ ነቲ ነብሪ ከለዓዕልዎ ፈተኑ። ኣብ ማእከል እዚ ኩሉ ወኻዕታ ከኣ ሓደ ዘፍርህ ድምጺ ከምዚ ክብል ከሎ ተሰምዐ፣

“ዎ ቅዱስን ሓቀኛን ጎይታ፣

 

ክሳዕ መዓስ ኢኻ ዘይትፈርድ፣

 

ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኸ

 

ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም።”

ኣብቲ ቦታ ዓቢ ጸጥታ ኮነ። ሓደ ናብቲ ሓደ ግልጽ ግልጽ እናበሉ ብምግራም ክጠማመቱ ጀመሩ። እቲ ጸጥታ ሕጂ’ውን በቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተሰመዐ ድምጺ ተዘረገ፣

 

“እንሆ ብደበና ይመጽእ ኣሎ፣

 

ኩለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ

 

ክርእይዎ እዮም፣

 

ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪውን ክበኽይሉ እዮም።

 

እወ፣ ኣሜን።

 

ኣታ ቅዱስ፣ ዘሎኻን ዝነበርካን፣

 

እዚ ብምፍራድካ ጻድቕ ኢኻ።

 

ደም ቅዱሳትን ደም ነብያትን ኣፍሲሶም እዮም እሞ፣

 

ንስኻ ድማ ክሰትዩ ደም ሃብካዮም።

 

ዝግብኦም’ውን እዩ።

 

ኣታ ኹሉ እትኽል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣

 

እቲ ፍርድታትካስ ሓቅን ቅንዕናን እዩ።”

ናይቲ ህዝቢ ኣውያትን ወኻዕታን እናሓየለ ከደ። ብኡብኡ ድማ ጠንቂ ናይቲ ናዕቢ ስለዝተፈልጠ ገለ ውሑዳት ተዓዘብቲ ከምዚ እንዳበሉ ክጭርሑ ጀመሩ፣

“እዚ ድምጺ ናይ ሓደ ርኹስ ክርስትያን ድምጺ እዩ! ከምዚ ኢሉ ክረግመና ዝደፈረ ሲና እቲ ክርስትያን እዩ። ኣውጺእኩም ነቲ ነብሪ ሃብዎ፣ ይሙት!”

 

ናይቶም ሰባት ጭረሐ ኣእዛንካ ዘጽምም ኮነ። እቲ ነብሪ’ውን ካብቲ ጭረሐ ዝተለዓለ ቀባሕባሕ ክብል ጀመረ። እቶም ሓለውቲ ደገ ድማ ዝተኣዘዝዎ ንምፍጻም ናብተን በዓትታት ገጾም ብቕልጡፍ ከዱ።

እቲ ማዕጾ ክኽፈት ከሎ ተሰምዐ። ሓደ ብጣዕሚ ዝዓበረን ዝፋሕሸወን ኣረጊት ሽማግለ ሰብኣይ ናብዝን ናብትን ሰንከልከል እናበለ ናብቲ ሜዳ ኣተወ። ኣዒንቱ ብፍሉይ ዝኾነ ብርሃን ዘንጸባርቓ፣ ምዕጉርቱ ድማ ጓህሪ ዝመስል ነበረ። እቲ ክንክን ዘይረኸበ ጸጕሩ’ውን ተወናጪሩ ነበረ።

እቲ ነብሪ ስለ ዝረኣዮ እንዳ ዘለለ ተጸገዖ። ቅሩብ ስጉምትታት ዝኸውን ርሕቀት ምስ ተረፎ ከኣ ኣድብዩ ኣብቲ መሬት በጥ በለ። እቲ ዝጽሊ ዝነበረ ቆልዓ ኣዒንቱ ከፊቱ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዝፍጸም ዝነበረ ነገር ተዓዘበ። ሲና ግና ናይቲ ነብሪ ምቕራብ ኣይፈለጠን። ኣዒንቱ ናብቶም ተዓዘብቲ ተኺሉ ብዘፍርህ ድምጺ ከምዚ በለ፣

 “ወይልኹም! ወይልኹም! ኣቱም ኣብ ምድሪ እትነብሩ ወይልኹም!”

በዚ ግዜ እቲ ነብሪ ዘሊሉ ጎበጦ፣ ሲና’ውን ወደቐ። ድምጹ ከኣ ተዋሒጡ ተረፈ።

እቲ ነብሪ ናይ ደም ጽምኣቱ ኣዝዩ ስለዝተለዓዓለ፣ ጸጉሩ ገቲሩ እተን ደም ዝሰረባ ኣዒንቱ ፈጠጠጥ እናበለ፣ ጭራኡ’ውን የማነ ጸጋም እንዳወናጨፈ ገጹ ናብቲ ቆልዓ ኣዞረ።

እቲ ቆልዓ’ውን ናይ መወዳእታ ግዜኡ ከምዝኣኸለት ብምርዳእ እንደገና ተንበርኪኹ ጸሎቱ ቀጸለ። እቶም ተዓዘብቲ ድማ ነቲ ዝስዕብ ንምርኣይ ልቦም ጠልጠል በለት። ኣብ መንጎ’ዚ፣ እቲ ናይቲ ቆልዓ ኩነታት ቀው ኢሉ ክዕዘብ ዝወዓለ ሰብ ከይሓሰቦ ካብ መቐመጢኡ ተንሲኡ ደው በለ። እቶም ብድሕሪኡ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ድማ ብቑጠዐ፣ “ኮፍ በል! ኮፍ በል! ከልኪልካና” እንዳበሉ ጨደሩ።

 

እቲ ሰብ ግና ጭድርታኦም ዕሽሽ ብምባል ደው ኢሉ ናብቲ ሜዳ ምዕዛቡ ቀጸለ። ናይቶም ሰባት ታዕታዕ እንዳበርተዐ ስለዝኸደ ከኣ እቶም ትሕት ኢሎም ደው ኢሎም ዝነበሩ ናይ ቄሳር መኳንንቲ እቲ ጉዳይ ንምፍላጥ ግልጽ ኢሎም ጠመቱ። ካብኣቶም ሓደ ድማ ሉኩሉስ ነበረ። ንድሕሪት ገጹ ቁሊሕ ኢሉ ዝረኣዮ ነገር ድማ ኣብ ዓቢ ስንባደ ሸመሞ።

 

“ማርሴሉስ!” ኢሉ ድሕሪ ምጭራሕ፣ ሰንከልከል እናበለ ናብቲ ረብሻ ዝተለዓለሉ ቦታ ከደ። ካብቲ ህዝቢ ከኣ ናይ ምጉርምራም ድምጺ ተሰምዐ። እቲ ቁጠዐኡ ክሳዕ ዝግንፍል ነቲ ቆልዓ ትም ኢሉ ዝዞሮ ዝነበረ ነብሪ ድማ ንኽዘልል ክዳሎ ከሎ ተረኣየ። እቲ ቆልዓ’ውን ካብቲ ተንበርኪኽዎ ዝነበረ ተንሰአ። ገጹ ከም ገጽ መልኣኽ ከብርህ ጀመረ። ኩሉ ሓሳቡ ካብቲ ዓቢ ህንጻ፤ ካብቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተዓዘብትን ካብቲ ጨካን ዝኾነ ኣራዊትን ኣዝዩ ርሑቕ ከም ዝነበረ ብግልጺ ይረአ ነበረ። ንእኡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ናይታ ሓዳስ የሩሳሌም ደገ ክኽፈት ከሎን ናይ ክብራ ተኻፋሊ ክኸውን ከሎን እዩ ዝረኣዮ ነይሩ።

“ኣደየ ናባኺ እመጽእ ኣለኹ! ጎይታ የሱስ ንነፍሰይ ተቀበል።”

እዘን ካብ ልሳን እቲ ቆልዓ ዝወጻ ቃላት ኣብቶም ተዓዘብቲ ብግልጺ ተሰመዓ። እቲ ነብሪ ከኣ ዘሊሉ ኣብ ልዕሊ ፖሊዮ ዓረፈ። እቲ ቅልስ ንቑሩብ ግዜ ቀጸለ። ኣብ መወዳእታ ድማ ናይቲ ቆልዓ ኣካላት ብደምን ሓመድን ተለዊሱ ተረፈ።

እቲ ህዝቢ ንቑሩብ ግዜ ጸጥ ምስ በለ፣ ሓደ ግልጺ ዝኾነ ድምጺ ከምዚ ኽብል ነቶም ተዓዘብቲ ኣሰንበደ፣

“ዎ ሞት ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፣

 ኣታ ሲኦልከ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ። ግናኸ ነቲ ብጎይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።” 
 

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብቑጠዐ ካብ መቐመጢኦም ብምትንሳእ ኣእዳዎም ናብቲ ሰብ እንዳወጣወጡ ከምዚ በሉ፣ 

 

“ክርስትያን! ክርስትያን! ብሓዊ ይቃጸል! ንነብሪ ይወሃብ! ናብቲ ሜዳ ደርብይዎ።”

 

እወ፣ ነቲ ድምጺ ዝተወሃበ ግብረ መልሲ ከምዚ ዝኣመሰለ ነበረ። ሉኩሉስ ከኣ ኣብ እዋኑ መጺኡ ንማርሴሉስ ካብ ኢድ እቶም ክመናጭትዎ ተዳልዮም ዝነበሩ ሮማውያን ከድሕኖ ከኣለ።

ኩሉ ኩነታቶም ክረአ ከሎ፣ እቲ ኣብቲ ሜዳ ናብዝን ናብትን ዘዕለብጥ ዝነበረ ነብሪ እኳ ክንድኦም ደም ኣይጸምአን ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ሉኩሉስ ንማርሴሉስ ምስ ኣድሓኖ ነቶም ዝሰዓብዎ ወተሃደራት ሒዞም ናብ ደገ ከውጽእዎ ኣዘዞም። ደገ ምስ ወጹ ከኣ እቶም ክልተ የዕሩኽ ክዘራረቡ ጀመሩ። እቶም ወተሃደራት’ውን ይስዕብዎም ነበሩ።

“ማርሴሉስ፣ ኢልካ ኢልካ ድማ ህይወትካ ናብ ሓደጋ ክተቃልዕ ትፍትን?”

“እንታይ እሞ ክገብር፣ እቲ ዝፈትዎ ቆልዓ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክመውት ከሎ ምኽኣል ስኢነ። ርእሰይ ምግታእ ብፍጹም ስኢነ። እንተኾነ ግና በቲ ዝተዛረብክዎ ቃል ዋላ ሓንቲ ኣይጠዓስን እየ። ኣነው’ን ንኣምላኸይን ንጉሰይን ክስዋእ ተዳልየ ኣለኹ።”

 

“ሕጂ ምሳኻ ንኽካታዕ ግዜ የብለይን። ብዘይክኡ’ውን ብኽትዕ ዘይትምለስ ምዃንካ ጽቡቕ ገይረ እፈልጥ እየ።”

 

“ርእሰይ ኣሕሊፈ ንኽህብ ዋላ ሓንቲ ሓሳብ ኣይነበረንን። ካብ ኮነ ግና ንድሕሪት ናይ ምምላስ ድልየት የብለይን። ስለ ስም መድሓኒየይ ናይ ሙማት ክብሪ ብምርካበይ ብጣዕሚ ደስ ይብለኒ።”

“ክቡር ዓርከይ፣ ንህይወትካ ዋላ ሓንቲ ዋጋዶ ኣይትህባን ኢኻ?”

 

“ካብ ህይወተይ ንላዕሊ ንመድሓኒየይ አፍቅሮ።”

“ረአ ማርሴሉስ፣ እቲ መንገዲ ክፉት እዩ ዘሎ። እነሆልካ ሃዲምካ ህይወትካ ክተድሕን ትኽእል ኢኻ እሞ ኣይትዓሹ።”

እቶም ወተሃደራት ቅሩብ ፍንትት ኢሎም ደዉ ኢሎም ነበሩ። ሉኩሉስ’ውን እዘን ቃላት ዝተዛረቦ ብሕሹኽሹኽታ ነበረ። ዝኾነ ኮይኑ ማርሴሉስ ሃዲሙ ከምልጥ ይኽእል ነይሩ። እንተኾና ግና ኢድ ናይ ዓርኩ ብምሓዝ ከምዚ በሎ፣

“ዝኸበርካ ሉኩሉስ፣ ናትካ ስም ብምብልሻው ህይወተይ ከድሕን ኣይደልን እየ። ኩሉ ግዜ ስለ ድሕነትይ ስለ እትሓስበለይ ካብ ልቢ እየ ዘመስግነካ። ብሰንከይ ክትሽገር ግን ኣይደልን እየ።”

ሉኩሉስ ከኣ ናይ ዓርኩ ዘረባ ምስ ሰመዐ ርእሱ ብሓዘን ደፊኡ ናብቲ ዝመጻሉ ተመለሰ።