17
Sat, May
0 New Articles

ስቅያት--- መስዋእቲ ክርስትያናዊ ሕጉስነት

Church yesterday & today
Typography

-ኣብ ትሕቲ መከራ ዝተቐበለ ቕዱስ ኴንካ ምህሮ፡

 

ኣብ እግሪ ሪቻርድ ዉርምብራንድ ኰፍ ኢለ ግዜ ካብ ዝወስድ ንነጀው፡ ካብቲ ቀደም ዝነበርክዎ ኣዝየ ተለዊጠ እየ። ከምዚ ክብል ከሎኹ ቃል ንቓሉ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣትየ ነይረ ማለተይ እዩ። ሽዑ ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ሚንያፖሊስ ኣብ እትርከብ ግረይስ ባፕቲስት ቤተ ክርስትያን (Grace Baptist Church)   ዚነብረሉ ዝነበረ ግዜ እዩ፥ ሪቻርድ ኣሳእኑ ኣውጺኡ ኣብ ብርኽ ዝበለ ጣውላ ኰፍ ምባል ይፈቱ ነበረ። (ድሒረ ከም ዝተረዳእክዎ፡ እዚ ኰፍ ኣበሃህላ እዚ፡ እግሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሮማንያ ብዝወረዶ ማህሰይቲ ምኽንያት ዝመጸ ምዃኑ ተገንዚበ።) ኣብ ቅድሚኡን ኣብ ትሕቲኡን ሓደ ደርዘን ኣቢሎም ዝዀኑ ጓሶት ኰፍ ኢሎም ኣለዉ፡ ንሱ ብዛዕባ ምቕባል መከራን ስቅያት ክርስትያናት ኣመንቲ ክርስቶስ እዩ ዝምህር። ንሱ ደጊሙ ደጋጊሙ ዚዛረቦ ቃል፡ "የሱስ ንስቅያትን ሓሳረ-መከራን "መሪጽዎ እዩ" ዝብልዩ። ሱቕ ኢሉ ዝመጸ ወይ ብሃውሪ ዘጋጠሞ ተርእዮ ኣይነበረን። "ኣነ ንነፍሰይ በጃ ከሕልፋ መሊሰ እውን ክወስዳ እየ፡......ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር፡ ካባይ ዝወስዳስ የልቦን። በጃ ከሕልፋ ስልጣን ኣሎኒ፡ መሊሰ ክወስዳ እውን ስልጣን ኣሎኒ" (ዮሃንስ 10፡18) ይብል።

ብኸምዚ መንገዲ ኪምህረና ምስ ጸንሔ ድማ ኣመንግዩ፡ ምእንቲ ክርስቶስ መከራ ክንቅበል ንደሊ እንተዄንና ይሓተና ነበረ። "ናብቲ በረኽቲ ምምጥጣር" እትበሃል ናይ ጸሎት መጽሓፉ ኣብ መላለዪኣ፡ ንዉርምብራንድ ብኸምዚ ዚስዕብ መግለጺ ኣላልያቶ ኣላ፡ "ሪቻርድ ዉርምብራንድ ኣብ ሮማንያ ብ1909 ዝተወልደ ኣይሁዳዊ መበቈል ዘለዎ ናይ ወንጌላዊት ሉተራን ማሕበር ጓሳ እዩ። ብ1945 ኮምዩኒስታውያን ንዓዱ ምስ ተቘጻጸርዋ፡ ሪቻርድ ኣብታ ምስጢራዊት ቤተ-ክርስትያን መራሒ ኰነ። ብ1948፡ ንሱን ሰበይቱ ሳቢናን፡ ናብ ማእሰርቲ ተወስዱ እሞ፡ ሪቻርድ ን14 ዓመታት ኣብ "ቀይሕ" ኣብያተ ማእሰርቲ ብዙሕ ስቅያት ኣሕለፈ። ኣብ ውሽጢ እዚ ግዜ እዚ፡ ጸሓይ፡ ከዋኽብቲ፡ ከምኡውን ዕንባባታት ዝበሃል ኣብ ዘይርእየሉ ትሕቲ-መሬት ኣብ ዝተሰርሐ ጽምው ቤት ማሕቡስ ተዳጕኑ ንሰለስተ ዓመታት ኣዝዩ ብዙሕ መከራን ስቅያትን ርኣየ። ኣብቲ ዓመታት እቲ፡ ብዘይካ ሓለውቱን ገረፍቱን ካልእ ሰብ ርእዩ ኣይፈልጥን። ብ1964፡ ኖርወጃውያን ክርስትያናት ኣሕዋት ዋጋ ሓርነቱ ዓሰርተ ሽሕ ዶላር ከፊሎም ኣውጽእዎ።

 

ስቅያት ክሳዕ ክንደይ እዩ ጽቡቕ?

 

ሓደ ካብቲ ንሱ (ሪቻርድ ዉርምብራንድ) ዘዘንትዎ ዛንታታት፡ ብዛዕባ ሓደ፡ ኣብ ተለቪዥን ኢጣልያ ቃለ-መጠይቕ ዝቐረበሎም ቺስተርኪያዊ ኣበ-ምኔት (ሆቕዘtቅቶቀቕሽቦ ሽሾሾተt) ኔሩ። እቲ ሓታቲ፡ ኣውራ በቲ ናይ ቺስተርክያውያን ኣብ ስቕታን ጽሞናን ናይ ምንባር ልምድን ስርዓቶምን ተገዲሱ ነበረ። ስለዚ ድማ ነቶም ኣበ-ምኔት፡ ﷽ ...... እዚ ኹሉ ምስ ሓለፈ፡ ኣብ መወዳእታ ዕድሜኹም ኢዝሄራውነት (ሃthቅቕዘm) ሓቂ ምዃኑ (ማለት እግዚኣብሄር ዘየሎ ምዃኑ) እንተ ትኣምኑኸ? ኰታ እግዚኣብሄር ዝበሃል ነገር ዘይምህላዉን ከንቱ ዘረባ ምዃኑን እንተ ዚበርሃልኩም እንታይ ምበልኩም? ወይ እንታይ ምሓሰብኩም? ወይስ ምገበርኩም?﻾ እናበለ ሓተቶም።

ሽዑ እቶም ኣበ-ምኔት፡ ﷽ቅድስናን ስቕታን መስዋእትን፡ እዘን ሰለስቲአን፡ ብዘይ ዝዀነ ናይ ዓስቢ መብጽዓ እውን እንተዀነ፡ ብርእሰን ጽቡቓት ነገራት እየን። ስለዚ ንህይወተይ ብእኤን በዘን ሰለስተ ምምራሕ ከየቋረጽኩ ምቐጸልኩን ምተባረኽኩለንን﻾ ኪብሉ መለሹ።

ናይ ህይወት ትርጉም ንምርዳእ ካብ ዘካየድክዎም ሓደ ሓደ ትዕዝብትታት፡ ኣብቲ ብዛዕባ ስቓይ ዝገብሮ ምምርማር ዓሚቝ ተምሳጥ ብምፍጣር ናብ ምርዳእ ክበጽሕ ዝደገፈኒ ሓደ ተሞክሮ ኣሎ። ንሱ ኸኣ ካብ ናይዞም ኣበ-ምኔት መልሲ ይነቅል። መጀመርያ እቲ መልሲ፡ እዚ ክብሎ እኳ እንተ ዘይከኣልኩ፡ ገለ ጌጋ ከም ዘለዎ ተሰምዓኒ። ኣብኡ ኸሎ፡ ዓሚቝ ዘይኣቱ ጥምዓውን ስምዒታውን መልሲ ምዃኑ እናተቐርጸኒ ኰዀየኒ። ብድሕርዚ ናብቲ ዓብዪ ስቓይን መከራን ዝተቐበለ ጳውሎስ ተመሊሰ መርመርኩሞ፡ እንሆ በቲ ኣብ ሞንጎኡን እቶም ኣበ-ምኔትን ዘሎ ገፊሕ ፍልልይ ተገረምኩ።

ጳውሎስ ነቲ ሕቶ ናይቲ ቃለ-መጠይቕ ዝሃቦ መልሲ ፍጹም ኣንጻር ናይቲ እቶም ኣበ-ምኔት ዝሃብዎ መልሲ እዩ። ብመሰረቱ እቲ ሓታቲ ዝሓተቶ፡ ﷽እቲ ትምርሓሉ ዝነበርካ ስርዓተ-ኣካይዳ ወይ ከኣ መንገዲ ኣብ ሓሶት ዝተሰረተ ምንባሩ እንተ ዝበርሃልካን እግዚኣብሄር ካብ ቀደሙውን ከም ዘይነበረን ሕጂ ይኹን ንሓዋሩውን ከም ዘይህሉን እንተ ተረጋግጽ፡ እንታይ ምበልካ ወይ እንታይ ምገበርካ?﻾ ዝብልዩ። እቶም ኣበ-ምኔት ነዚ ዚሃብዎ መልሲ፡ ﷽ዝዀነ እንተዀነ፡ እዚ ሒዘዮ ዘሎኹ ኣካይዳን ስርዓተ-ህይወትን፡ ጽቡቕን ክቡርን ምኻኑ ኣይተርፎንዩ﻾ ዚብል ቀንዲ ትሕዝቶ ኣለዎ። ጳውሎስ ዝመለሾ ኸኣ ኣብ 1ይ ቈረንጦስ 15፡19 ዘሎ እዩ። ﷽ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኩሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና﻾። እዚ ከኣ ነቲ እቶም ኣበ-ምኔት ዝሃብዎ መልሲ ብተጠማማቲ ኣንጻሩ እዩ።

ስለምንታይ እዩ ጳውሎስ ምስቶም ኣበ-ምኔት ዘይተሰማምዐ? ንምንታይ እዩኸ፡ ﷽ዋላ ክርስቶስ ካብ ምዉታት እንተ ዘይትንስእን፡ እግዚኣብሄር እውን እንተ ዘይህሉን፡ ናይ ፍቕርን፡ ጻዕርን፡ መስዋእትን ስቅያትን ህይወት ጽቡቕ ህይወት ምዃኑ ኣይተርፎንዩ﻾ ዘይበለ? ስለምንታይ እዩኸ፡ ﷽ዋላ ብዘይ ናይ ትንሳኤ ተስፋ ወይ ዓስቢ እውን እንተዀነ፡ እነደንግጽ ኣይምዀንናን﻾ ዘይበለ? ስለ ምንታይከ እዩ ኣብ ክንዲ እዚ ኹሉስ፡ ﷽እቲ ብክርስቶስ ዘሎና ተስፋ ኣብ መወዳእትኡ ከንቱን ባዶን ዝኸውን እንተ ድኣ ዀይኑ፡ ካብ ኩሉ ሰብ ዝያዳ እንደንግጽ ንሕና ኢና።﻾ ዝበለ?

 

 

 

ህይወት ምስ ክርስቶስ እናጠዓመ ድዩ ዝኸይድ?

 

እዚ ሕቶ'ዚ ብፍላይ ነተን ኣብ ከም ኣመሪካን ምዕራብ ኤውሮጳን ዝኣመሰላ ሃብታማት ሃገራት ዘለዋ ክርስትያናዊ ማሕበራት፡ ፍጹም ዘየላቡ በሊሕ ሕቶ እዩ። ክንደይ ግዜ ኢና፡ ክርስትያናት ኣሕዋት፡ ብክርስቶስ ምስ ኮኑ ህይወቶም ከም ዝጠዓመሎም ክምስክሩ ከለዉ ዝሰማዕናዮም? ንኣብነት ኣብዚ ቐረባ ግዜ ሓደ ናይ ፕሮፈሽናል ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ተጻዋታይ (ተኻላኻሊ) ክዛረብ ዝሰማዕክዎ ነዚ ዘስምዕ እዩ። ንሱ ጐይታ ንምቕባል ናይ ምድሓን ጸሎት ካብ ዚጽሊ ንድሓር፡ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ከም ብሓድሽ ከም ዝተፈተዎን፡ ሰንበት ሰንበት ከየብኰረ ብዘሎ ሓይሉን ክእለቱን ስለ ዝተጻወተላን፡ ጋንትኡ ኣብ ሾሞንተ ግጥማት ኣከታቲላ ተዓዋቲት ብምዃን ክብረ-ወሰን ሒዛ ምህላዋ ከም ዘዅርዖ ገሊጹልና።

ኣብ ብልጹግ ምዕራባዊ ዓለም ዘለዉ ክርስትያናት ንረብሓታት ክርስትና ክገልጽዎ ከለዉ፡ እግዚኣብሄርን ትንሳኤን ይሃሉ ኣይሃሉ ብዘየገድስ፡ ክርስትና ኣውራ ንናብራ እዛ ዓለም እዚኣ የጸብቖን የመልክዖን ምዃኑ ጸቒጦም ይዛረብሉ። እስኪ ነቲ ኹሉ ስነ-ኣእምሮኣዊ ረብሓታትን ነቲ ምስ ክርስቶስ ብዘሎና ዝምድና ምኽንያት እንረኽቦ መኽሰባትን ዘክሩ፡ እናበሉ ከረድኡና ንሪኦም። ብርግጽ እውን እዚ ዝብሉና ዘለዉ ሓቅን መጽሓፍ ቅዱሳውን እዩ፥ ፍቕሪ፡ ሓጐስን ሰላምን፡ ናይ መንፈስ ቅዱስ ፍረ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ነዞም ነገራት እዚኣቶም ብምእማን ፍቕርን ሓጐስን ሰላምን ንረክብ ካብ ኰንና ድኣ'ሞ፡ ዋላ ኣብ ሓሶት ዝተሰረተ እምነት ይሃልወና፡ ንኽትነብሮ ጥዑም ህይወት'ዶ ኣይኰነን እዩ እዚ? ስለምንታይከ እዩ ዝድንገጸልና? ኢልካ'ውን ኪሕተት ይከኣል።

ጳውሎስ ድኣ እንታይ እዩ ዀይኑ? ህይወት ምስ ተረፉ ዝመልኦ ናብራዶ ኣይዀነን ይነብር ኔሩ። ስለምንታይከ እዩ ትንሳኤ እንተ ዘይሃልዩስ ካብ ኩሉ ሰብ እነደንግጽ ንሕና ኢና ዝብል? ኣብዛ ዓለም እዚኣ እትነብረን ስሳ ሰብዓ ዓመታት ሕጉስን ዕጉብን ኴንካ ተሕልፈን እንተ ድኣ ኴንካ፡ ዋላ ናይ ምዕሻው ናብራ እንተ ዝበሃላ እውን፡ እቲ ምዕሻው እቲ ኣብ መጻኢ ህይወትካ ሳዕቤን ዘየኸትል እንተ ዀይኑ ዘደንግጽ ኣይኰነን። እቲ ምዕሻው'ቲ ንናይ ናብራ ባዶነትን ትርጉም-ኣልቦነትን ናብ ደስታ ኪቕይር ዚኽእል እንተ ኾይኑ፡ ዘይትተዓሻሸወሉ ምኽንያት የብልካን!

እቲ ሓቀኛ መልሱ ግን ናይ ክርስትና ህይወት ንጳውሎስ ከምቲ ሰባት ዝብልዎ ናይ ብልጽግናን ርሓትን ጥዑም ህይወትን ዘይምንባሩ እዩ። ስለዚ ህይወት ጳውሎስ፡ ብነጻ ምርጫኡ ረድዩ ዝኣተዎ እኳ እንተ ነበረ፡  ብሓቂ ናይ ስቅያት ህይወት እዩ ዝነበረ። ኣብ ህይወትና ካብ ዝረኤናዮ ንቡር ተመክሮታት እውን ፈጺሙ ዝተፈልየ እዩ። እቲ ጳውሎስ ዝኣመኖ ኣምላኽ፡ እቲ ዝተኣማመነሉ ትንሳኤን እቲ ተስፋ ዝገበረሉ ሕብረት ምስ ክርስቶስን፡ ንጳውሎስ፡ እንተላይ ትንሳኤ ምስ ዘይመጽእ እውን፡ ኣብዛ ምድራዊት ህይወቱ ምቾትን ርሓትን ዘለዎ ናብራ ከምዚህልዎ ከረጋግጸሉ ኣይከኣለን። እንታይ ድኣ እዩ እቲ ኣብ ተስፍኡ ተዓቝሩሉ ዘሎ? እንተ ኢልና፡ በቲ ፈትዩ ዝኣተዎ ናይ ስቓይ ህይወት ምኽንያት ኣዝዩ ብዙሕ ሓጐስ ይሕጐስ ምንባሩ ይገልጽ። ንጳውሎስ ግን እቲ ኹሉ ሓጐስ'ቲ፡ ﷽ብተስፋ ምሕጓስ﻾ ጥራይ እዩ ነይሩ።(ሮሜ 12፡12) እዚ ተስፋ እዚ ኸኣ እዩ፡ ነቶም ምእንቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ትንሳኤን ምእንቲ ትንሳኤ እቶም ብዙሕ መከራ ዝተቐበለሎም ኣሕዋቱን ኢሉ ብብዙሕ ስቅያት ኪሓልፍ ከሎ፡ ሓይልን ጽንዓትን ሂቡ ዘሳገሮ። እምበኣርከስ፡ ከምቲ ጳውሎስ ባዕሉ ዝመስከሮ፡ ትንሳኤ ዘየሎ እንተ ኾይኑ፡ ኩሎም እቶም ፈትዩ ዝገበሮም ርእሰ-መስዋእታዊ ምርጫታት ኣዝዮም ዘደንግጹ እዮም ማለት እዩ።

እወ፡ ኣብ ኩሎም መከራታቱ፡ ጳውሎስ ሓጐስን ተፈላጥነትን ረኺቡ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ናቱ ሓጐስ፡ ካብቲ ጸበብኡ ድሕሪ ምሕላፉ ኪረኽቦ ተስፋ ጌሩሉ ዘሎ ሓጐስ እዩ መጺኡ። ሮሜ 5፡3,4 ነዚ እዩ ዘብርህ። ﷽ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ከምዘምጽእ ስለ ዝፈለጥና በዚ ጥራይ ኣይኮነን﻾ ይብል። ስለዚ እምበኣር እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ የምጽእ እዩ ማለት እዩ። ካልእ እውን፡ እቲ ሓጐስ ኪርከብ ዚኽእል ካብቲ ጸበባ ባዕሉ ዝወለዶን ዘዕብዮ ዘሎን ተስፋ ምዃኑ ንግንዘብ። ስለዚ ድማ፡ ተስፋ ዘየሎ እንተ ዝኸውን፡ ጳውሎስ ነቲ ጸበባ ብምቕባሉ ዓሻ ምዀነ፡ ካብኡ ሓሊፉ በቲ ጸበባ'ቲ ኪምካሕ እንተ ዝፍትን እሞ ኸኣ፡ ጭራሽ በሃም ምተባህለ። እንተኾነ ዘይሕበል ሓቂ ኣሎ፥ ንሱ ኸኣ ተስፋ ህያው ኮይና ትነብር ምህላዋ እዩ። ኣብዚ ሕያው ተስፋዚ ተኣማሚኑ ኸኣ እዩ ጳውሎስ፡ ኪንዮ መቓብር ህያው እትኸውን ናይ ሓጐስ ተስፋ ዘየላ እንተ ዀይና፡ ክትነብሮ ዕሽነት ዚቝጸር ዓይነት ህይወት ኪነብር ዝደፈረ። ካብዚ ነቒሉ ኸኣ ንሕቶ ሪቻርድ ዉርምብራንድ ድልዱል መልሲ የቕርበሉ። እወ! ዝብል መልሲ። ንሱ (ጳውሎስ) ንኹሉ ስቓይን ሓሳረ-መከራን መሪጽዎ እዩ።

 

ኣብ ሞንጎ እምባጓሮን መንሽሮን ፍልልይ ኣሎዶ?

 

እስኪ ሕጂ ንሓንሳእ ካብ መስመርና ነላግስ እሞ ብዛዕባ ሓደ ሓደ ሕቶታት ንዘራረብ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ከምዚ ኢሉ ኪሓትት ይኽእል ይኸውን፡ ﷽እቲ ዘጋጥመኒ ምርጫ ከመርጾ ዘይከኣለኒ ስቅያት ምስ ዚኸውንከ፡ እንታይ ክገብር እየ? ንኣብነት እቲ ምርጫ መንሽሮ ምስ ዝኸውን፥ ወይ ድማ ናይ ውሉደይ ብሓደጋ መኪና ሙማት፡ ወይ እውን ብርቱዕ ጭንቀት ምስ ዝኸውን እንታይ ክገብር እኽእል? እዚ ምዕራፍ እዚ ብዛዕባ ከም እዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሽግራት እውን'ዶ መፍትሒ ይህብ እዩ?﻾ ነዚ ሕቶ'ዚ ብሓጺሩ ንምምላስ፡- ዝበዝሕ ትሕዝቶ እዚ ምዕራፍ'ዚ ብዛዕባ እቲ ክርስትያናት ኣብ ሓደገኛ ኵነታት እውን እንተዀነ ክርስትናኦም ብግልጺ ከርእዩ ብምምራጾም ዝወርዶም ብዙሕ ዝዓይነቱ ስቅያት ይዛረብ ምህላዉ ከብርህ እደሊ። ጐድኒ ጐድኒ'ዚ ክንርድኦ ዘሎና ካልእ ሓቂ፡ ኵሎም ኵነታት ብሓደ ወይ ብኻልእ መገዲ ድንገት ዝመልኦም ምዃኖም እዩ።

ኣብ ሞንጎ ሕማምን መከራን ዘሎ ፍልልይ እንተ ርኣና፡ ንኣብነት መከራ እንተወሲድና፡ ገለ ሰባት ኣመንቲ ክርስቶስ ብምዃንና ምኽንያት፡ ኮነ ኢሎም ኣብ ልዕሌና ዘውርድዎ ተጻብኦ ኮይኑ ንረኽቦ፥ ሕማም ግና ካብዚ ዝተፈልየ እዩ። ስለዚ ግሁድን ቅሉዕን ኣማኒ ክርስቶስ ኴንካ ንምምልላስ ምውሳን ማለት፡ ኣብ ብዙሕ ኵነታት ከምዝርኤ፡ 'ኣምላኽ እንተ ፈቒድዎ' (1 ጴጥሮስ 4፡19) ስቅያት ኪወርዶ ዘፍቅድ ቅዲ ናብራ ምምራጽ ማለት እዩ። እዚ ጥራይ ግን ኣይኰነን፥ ዋላ እቶም ዘይኣመንቲ ድሎ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዘውርድዎ ግፍዕን ስቓይን እንተ ዘይሃለወ እውን፡ ከም ክርስትያን ኣብ እትመላለሰሉ ዘመንካ ሓሳረ-መከራ ክትርኢ ግድን እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ክርስትያን ናብ ሓንቲ ብሕማም ዝተለበደት ቍሸት፡ ብዕዮ ወንጌል ከገልግል ኪኸይድ እሞ በቲ ሕማም ኪተሓዝ ዝከኣል እዩ። እዚ ኸኣ 'ከም ክርስትያን መጠን' ስቓይ-መከራ ምቕባል ድኣ'ዩ እምበር 'ስደት' ኣይኰነን። እዚñ ምርጫ'ዚ፡ ንተጻብኦ ሰባት ጥራይ ዘይኰነ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዝኾነ ቃንዛ ስጋ እውን ንምቕባል ዝግበር ምርጫ እዩ።

ግን ከኣ እኰ ሕስብ እንተ ኣበልካዮ፡ ህይወት ወዲ ሰብ፡ ብፍላይ ከኣ እታ ንኽብሪ ኣምላኽን ንምድሓን ነብሳትን ተወፍያ ብዕቱብነትን ብእምነትን እትመላለስ ህይወት፡ ልክዕ ነቲ ንዕዮ ወንጌል ኪብል ናብ ብሕማም ዝተለበደት ቍሸት ዚኸይድ ክርስትያን እያ ትመስል። እቲ ብኸምዚ መገዲ  ዝወርደካ ስቅያት፡ ኣካል ናይቲ ንጽውዓ ኣምላኽ ብምእዛዝካ ብናብራኻ ትኸፍሎ ዋጋ እዩ። ክርስቶስ ብዝመርሓና ዘበለ መንገዲ ንክንስዕቦ ክንውስንን ክንመርጽን እንከሎና፡ ንኩሉ እቲ ኣብታ መንገዲ እቲኣ ዝጸንሓና ዘበለ መሪጽናዮን፡ ክንሰግሮ ድማ ብለውሃቱ ኣሚንናን ኣሎና ማለት እዩ። ስለዚ እምበኣር ኣብ ጐደና ምእዛዝ እናተጓዓዝና እንከሎና፡ ዝመጽኣና ስቅያትን መከራን ምስ ዚህሉ፡ ዓይነቱ፡ እምባጓሮ ይኹን መንሽሮ ብዘየገድስ፡ ንሱ ምስ ክርስቶስን ንክርስቶስን ኢልና ንጸግቦ ዘሎና መከራ እዩ። በቲ ስቅያትን ቃንዛን ዘለዎ መንገዲ'ቲ ክንጐዓዝ ዝመረጽና ባዕልና ስለ ዝዀንና ኸኣ፡ ንኣምላኽና ኣይነጕረምርመሉን ኢና። ከምቲ ጳውሎስ ዝጸለዮ ጸሎት፡ እቲ እሾኽ ኪእለየልና ክንጽሊ እውን ንኽእል ኢና። (2 ቆሮንጦስ 12፡8)። ይኹን እምበር ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ኣብቲ ናብ መንግስተ ስማያት እንገብሮ ጉዕዞ፡ ከም ሓደ ወደ መዝሙር ዝኸፍሎ ዋጋ ቈጺርና፡ ክንቅበሎን ናትና ኢልና ክንሕዞን ኢና።

 

ለ ክርስትያናዊ ጽዋዓኻ ስቅያትን ጸበባን ምቕባል፡ ምእንቲ ክርስቶስን ንኽብሪ ክርስቶስን እዩ።

 

ኣብ ጐደና ክርስትያናዊ ምእዛዝ እናተጓዓዝና እንከሎና ብስደት ወይ ብሕማም ወይ እውን ብሓደጋ ዝወርዱና ኩሎም ናይ ጸበባ ተመክሮታት፡ እዚ ዚስዕብ ናይ ሓባር ረቛሒ ኣለዎም፡- ኩሎም ነቲ ኣብ ሰናይነት ኣምላኽና ዘሎና እምነት ንኪደቝሱን ካብቲ ናይ ምእዛዝ መንገድና ክንወጽእ ንኪፍትኑናን ዝተዋደዱ ምዃኖም'ዩ። ስለ'ዚ እምበኣር፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝጻረረና ጸላኢ፡ ማለት ሕማም፡ ሰይጣን፡ ሓጥያት፡ ወይ ከኣ ሸርሒ ወዘተ... ብእምነት እንምንዝዖ ነፍሲ ወከፍ ዓወትን፡ ኣብ ምእዛዝ (ንፍቓድ ኣምላኽ) እነርእዮ ኩሉ ጽንዓትን፡ ንሰናይነት ኣምላኽን ክቡርነት ክርስቶስን ዘንጸባርቑ ህያው ምስክራት እዮም።

በዚ መሰረት እምበኣር፡ እቲ ኣብ ጉዕዞ ክርስትያናዊ ጽውዓና ብብዙሕ ዝዓይነቱ ስቓይ እንሓልፎ ገድልን መከራን፡ ﷽ምስ ክርስቶስ﻾ን ﷽ንክርስቶስ﻾ን ምስቓይ እዩ። ﷽ምስ ክርስቶስ﻾ ዘብለና፡ ንሕና ብእምነት ምስ ጐይታ ተጣቢቕና እናተጐዓዝና እንከሎና፡ እቲ ዝወርድ መከራ ይወርደና ብምህላዉን፥ እንተዀነ ግና፡ እቲ ምሳና ዘሎ እውን፡ በቲ ናይ ድንጋጽን ለውሃትን ሊቀ-ክህንነታዊ ኣገልገሎቱ ጌሩ፡ እቲ ነዚ መከራ እዚ ንምጽዋር ዘድልየና ሓይሊ ነንዕለቱ የዕጥቐና ብምህላዉን እዩ (እብራውያን 4፡15)። ﷽ንክርስቶስ﻾ ዘብለና ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ንምፍታን ዝረኽበና ዘሎ ዋዒ ሓዊ፡ ነቲ ንሰናይነትን ሓይልን ጐይታና ዘሎና ተኣማንነት ይፍትኖን የነጽሮን ኣብ ርእሲ ምህላዉ፡ ነቲ  ልዕሊ ዝግብኣና ብኹሉ ምሉእ ዝዀነ ካሕሳን ዓስቢ ዓወትን ዚህበና ባህሪ ኣምላኽና ክንርኢ ብብርሃኑ የብርሃልና ብምህላዉ እውን እዩ።

 

መደብ ሰይጣንን ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ ሓደ ናይ ጸበባ ተመክሮ፡

 

እዚ ጥራይ ኣይኰነን፡ ናይ ሕማም ስቅያትን፡ ናይ ስደት ስቅያትን ካልእ ናይ ሓባር ረቛሒ እውን ኣለዎም፥ ክልቲኦም ብሰይጣን እምነትና ንምሕምሻሽ ዝተዋደዱ ኪዀኑ እንከለዉ፡ ብኣምላኽ ድማ እምነትና ንምጽራይ ዝተሰርዑልና እዮም።

መጀመርያ ጉዳይ ስደት ንመልከት። ኣብ 1ይ ተሰሎንቄ 3፡4,5 ጳውሎስ ሰብ ተስሎንቄ ኣብ እዋን ስደቶም ብዛዕባ እምነቶም ዝሓደሮ ስክፍታ ከምዚ ኢሉ ገሊጹ።

 

﷽እምበኣርከ ምሳኻትኩም ከሎና፡ ጸበባ ኸም ዝመጸናስ፡ ቅድም ነጊርናኩም፡ ከምቲ እትፈልጥዎ ውን ከምኡ ኰነ። ስለዚ ኣነ ድማ ካብኡ ንነጀው ክዕገስ ምኽኣል ምስ ሰኣንኩ፡ ምናልባሽ እቲ ፈታኒ ፈቲኑኩም ከይህሉ እሞ እቲ ጻዕርና ኸንቱ ከይከውን ኢለ፡ እምነትኩም ምእንቲ ክፈልጥ እየ ዝለኣኽክዎ።﻾

 

እቲ ኣብዚ በሪሁ ዘሎ ነገር፡ ዕላማ ናይቲ ﷽ፈታኒ﻾ ኣብዚ ስቅያት እዚ እምነቶም ንምስባር ምንባሩ እዩ።

እንተ ዀነ ግና ኣብዚ ጉዳይ እዚ፡ ሰይጣን ንበይኑ ኣይኰነን መደብ ዘለዎ። እግዚኣብሄር ንሰይጣን ይመልኮን ይገዝኦን ስለ ዝዀነ፡ ነቲ መለኮታዊ መደባቱ ኪፍጽም፡ ኪጥቀመሉ ካብ ዝደለዮ ንላዕሊ ኪሓልፍ ቅንጣብ ዕድል ኣይህቦንዩ። እዞም ኣምላኻዊ መደባት እዚኣቶም፡ ዋላ ኣብታ ሰይጣን ዚብቍጻ ዘሎ ህይወት እውን፡ ነቲ ናይ ሰይጣን ምኽሪ ዝጻረሩ እዮም። ንኣብነት እቲ ጸሓፊ ናይ እብራውያን ኣብ ምዕራፍ 12፡ ንኣንበብቱ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሓሳረ መከራ ብፍቕሩ ዘንብሮ ዕላማ እናሓሰቡ፡ ብስቓይ ተስፋ ከይቆረጹ ከመይ ኢሎም ኪጸንዑ ከም ዚግብኦም ኪምህሮም ከሎ ንርእዮ።

﷽ምእንቲ ከይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ክንድ'ዚ ዝኣክል ምጽራር እተዓገሰ ዘክርዎ። ምስ ሓጢኣት ብምቅላስኩም ገና ኽሳዕ ኣብ ደም እትበጽሑ ኣይተቓወምኩምን። እቲ ኸም ንዉሉድ ጌሩ፡ 'ወደየ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ዘፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ነቲ ዝቕበሎ ዘበለ ዉሉድውን ይገርፎ፡ ስለዚ ቅጽዓት ጐይታ ኣይትንዓቕ፡ እንተ ገንሓካውን ሕሊናኻ ኣይተዕርብ'﻾ ይብሎም። (ምሳሌ 3፡11,12)። ..ቅጽዓት እንተ ተዓገስኩም ኣምላኽ ከም ዉሉዱ ጌሩ ይርእየኩም እዩ።....ቅጽዓት ዘበለስ ንግዚኡ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልንዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዝፈሪ።﻾

እቲ ካልእ ﷽ብሓጢኣተኛታት ዝመጽእ ተጻብኦ﻾ እውን እስኪ ንርኣዮ። እዚ ዓይነት መከራ'ዚ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ዝዀነ፡ ሰይጣን ኢዱ የእትዩ ዝዓየሉ ማለት እዩ። (ሉቃስ22፡3) ይኹን እምበር፡ እዚ ናይ ክርስቶስ መከራ ንባዕሉ እውን፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ብኣባታውን ፍቕራውን ኣሰራርሕኡ ጌሩ፡ ንተግሳጽ (ቃቕዘቀቕታባቕቦቅ) ኪሃንጸሉ ዝሰርዖ ምዃኑ ንርዳእ። ስለዚ ሰይጣን ኣብቲ ብስደት ዝመጽኣና መከራ ናቱ ዝዀነ መደብ ኪህልዎ እንከሎ፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብኣ ኣብታ ተመክሮ እቲኣ ካልእ ናቱ መደብ ኣለዎ።

 

እዚ ተርእዮ'ዚ ኣብ ስደት ጥራይ ዝርአ ኣይኰነን፡ ኣብ ሕማምውን ከምኡ እዩ። ኣብ 2ይ ቈረንጦስ 12፡7-10፡ ናይ እዞም ክልተ መደባት እዚኣቶም፡ ማለት መደብ ሰይጣንን መደብ ኣምላኽን ንጹር መረዳእታ ቀሪቡ ኣሎ።

 

﷽ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸኣ፡ ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፡ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ። እዚ ኻባይ ኪርሕቕ ብዛዕብኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ፡ ንሱ ኸኣ ሓይለይ ብድኻምዩ ዚፍጸም እሞ፡ ﷽ጸጋይ ይኣኽለካ﻾ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኪሓድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። እምበኣርከ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብሓሳር፡ ብምስጓግ፡ ብጸበባ እሕጐስ እየ።﻾

 

ኣብዚ ናይ ጳውሎስ ኣካላዊ ስቅያት ኮይኑ ዘሎ---- ﷽ግራጭ ኣብ ስጋ﷽---- መልኣኽ ሰይጣን ተሰምዩ ኣሎ። እንተዀነ ዕላማ ናይቲ ስቅያት ጳውሎስ ﷽እምብዛ ምእንቲ ከይዕበ﻾ ንምክልኻሉ ምዃኑ ንርኢ፥ እዚ ኸኣ ብርግጽ ናይ ሰይጣን ዕላማ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። እምበኣርከ ኣብዚ ዝተረጋገጸ ሓደ ዓቢ ነጥቢ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ብልዑልነቱ ንናይ ሰይጣን ኣዕናዊ ፈተነታት ሰሪዙ፡ ነቲ ፍቕራውን ሃናጽን መደቡ ምፍጻሙ እዩ። ሰይጣን ኩሉ ግዜ ንእምነትና ኪሰብር ምስ ዓለመ እዩ፥ ክርስቶስ ግን ኣብቲ ድኻም ዘለዎ ብብርቱዕ ሓይሉ ይግለጽ።

 

 

SUFFERING:

 the SACRIFICE of

CHRISTIAN

HEDONISM

John PIPER

ይቅጽል!!!