ብዴቭ ቡትስ ኣብ ሄራልድ ኦቭ ሂስ ካሚን ዝተጻሕፈ (መስከረምን ጥቅምቲን 2006 ዓ.ም.)
ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ﷽ድያብሎስ ናብ ቤተክርስትያን ይኸይድ ብዝብል ኣርእስቲ መጽሓፍ ክጽሕፍ ዕድል ረኺበ ኔረ። ኣርእስቲ ናይቲ መጽሓፍ ዝረኣዩ ሰባት ዝህብዎ ዝነበረ ግብረ-መልሲ ወይ ሓሳባት ምርኣይ ኣዝዩ ደስ ዘብል ነበረ። መብዛሕትኦም ﷽ናይ ብሓቂ ድያብሎስ ናብ ቤተክርስትያን ይኸይድ እዩ፡ ብፍላይ ከኣ ናብታ ናተይ ቤተክርስትያን ይብሉ ነበሩ። ሰይጣን ብኣዝዩ ዘገርም ኩነታት ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ንዝግበር ነገራት ኣዝዩ ዝግደሰሉ ምኽንያት ግን እንታይ እዩ? ምናልባት ንሕና ኢድ ድያብሎስ ኣብ ቤተ ክርስትያን ክዓዪ ስለእንርኢ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስዒቡ ቀሪቡ ዘሎ ቀዳማይ ጽማቑ ትሕዝቶ ናይታ መጽሓፍ ሰይጣን ስለምንታይ ኣብ ቤተ ክርስትያንኩም ከምዝግደስ ንክንርዳእ ክሕግዘና ይኽእል እዩ። እቲ ካልኣይ ጽማቑ ትሕዝቶ ናይታ መጽሓፍ ከኣ ሰይጣን ንዝተፋላለያ ማሕበር ኣመንቲ ዘጥቅዓለን ኣርባዕተ ካብተን ቀዳሞት መገድታቱ ይገልጽ።
ድያብሎስ ስለምንታይ ናብ ቤተ ክርስትያን ይኸይድ ኣገዳሲ ዝዀነ ምኽንያት ኣለዎ። ኣብ ዓለም ኮስሞሳዊ ውግእ ኣብ መንጎ ሓይልታት ኣምላኽን ሓይልታት ሰይጣንን ከምዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። ክርስትያናት ከኣ ኣብዚ ውግእ ወገኖም ዝፈለዩ (ካብ ሰይጣን ተፈልዮም ናይ ኣምላኽ ዝወገኑ) እዮም። ጳውሎስ ኣብ ኤፌ 2፡2-5 ብዛዕባ ምውጋን ክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ይገልጽ።
ንስኻትኩም ቀደም ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ከምቲ መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብር ዘሎ ሓለቓ ስልጣን ኣየር እተመላለስኩም፡ ብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምዉታት ዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም ህያዋን ገበረኩም። ንሕና ኩላትና ኸኣ ነቲñ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና፡ ቀደም ብትምኒት ስጋና ምሳታቶም ንነብር ነበርና፡ ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቑጥዓ ነበርና። ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ንኣና፡ ብበደልና ምዉታት ከሎናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡- ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም።
እቲ ጸላኢ ኣምላኽና ኸኣ ጸላኢና ኰነ። ካብ ክልቲኡ ወገን ዘየሎና (ጸግዒ ዘይሓዝና) ክንከውን ኣይንኽእልን። ንሕና ክርስትያናት ከም ቤተ ክርስትያን ክንተኣኻኸብ ከሎና ንሰይጣን ኣዚና እነስግእ ንኸውን። ከነምልኽ፡ ክንጽሊ፡ ክንመሃሃርን ነንሕድሕድና ክንተባብዕ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክንነብርን ክንነግርን ከምኡውን ዉድቀት ሰይጣን ክንነግር (ክንእውጅ) ኢና እንተኣኻኸብ። ስይጣን ድማ ነዚ ኹሉ ንኸይፍጸም ብዝከኣሎ ዘበለ ከምዝቃለስ ርዱእ እዩ።
እቲ ንኣና ሓደገኛ ኩነታት ዝኸውን ፍሕሶታት ሰይጣን ከይፈለጥና ምስ እንተርፍ እዩ። ንሕና ንኹሉ ሽግራት ናይ ቤተ ክርስትያን ብኸምኡ ከምዝመጸ ጥራይ ጌርና ኢና እንርድኦ። ኣብያተ ክርስትያናት ብዛዕባ ናይ ቀደም መዛሙር ወይ ከኣ ሓደሽቲ መዛሙር ንዘምር ብዝብል ምስ ዝበኣሳ እዚ ንቡር እዩ ኢልና እንሓልፎ ኣይኰነን። ኣባጊዕ (ምእመናን) ኣንጻር ጓሳ ምዝ ስትንስኡ እዚ ንቡር ተባሂሉ ዝሕለፍ ኣይኰነን። እቶም ብፍቕሪ ክነብሩ ዝተጸውዑ ቅዱሳን ነንሕድሕዶም ምስ ዝነቓቐፉን ዝካሰሱን እዚ ንቡር ነገር ኣይኰነን። ሰይጣን ሰሊኹ ናብ ቤተ ክርስትያን መጺኡ ኣሎ ማለት እዩ። ብዛዕባ መጥቃዕትታት ሰይጣን ሓደ ርግጽ ዝዀነ ነገር እንተሊዩ- ብቐጻሊ ከምኡ ዝገብር ምዃኑ እዩ። ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ተመሳሳሊ ዝዀነ ሽግራት ደጊሙ ደጋጊሙ ካብ ቤተ ክርስትያን ናብ ቤተ ክርስትያን ይገብር ከምዝነበረን ይገብር ምህላዉን እዩ። እተን ንሱ ዝጥቀመለን ኣገባባት ንምዝካር ብዝጥዕመና መገድታት ኣብ ኣርባዕተ ክንመቕለን ኢና፡ ጥርጥር፡ ጥበራ፡ ተስፋ-ምቑራጽ፡ ምፍልላይ።
ጥርጥር
ጥርጣረ ምዝራእ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ሓደ ካብ መሳርሒታት ጸላኢ ኰይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ኤደን ገነት፡ እቲ ተመን ኣብ ሄዋን ርጥርጥ ብምልዕዓል ከምእትሓጢ ገበራ። ንኣኣን ንኣዳምን እኩይ ዝዀነ ሕቶ ብምሕታት (ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ድዩ?....) ኢሉ ብምሕታት ንቓል ኣምላኽ ከምዝጣራጠሩዎ ገበሮም። ኺኖ እቲ ሕቶ ናይ ተመን መቸም ብቕብኣት እተለኸየ ﷽ነዚ ቃል ኣይትኣምንዎን ኢኹም ምሽ? ትኣምኑዎ ዲኹም? ዘስምዕ ድምጺ ከምዘሎ ዳርጋ ተረዲእካዮ ትኸውን። ሕጂውን እዚ ሓደ ዓይነት ድምጺ ተመሳሳሊ ዝዀነ ሕቶ እናሓተተ ክርስትያናት ንኣምላኽን ንቓሉን ክጣራጠሩዎ ይገብሮም ኣሎ።
ሰይጣን ንየሱስ ኣብ በረኻ ክፍትኖ ከሎ ዝተጠቀመሉ መሳርሒ ምጥርጣር እዩ ኔሩ። ኩለን ፈተናታቱ ﷽...እንተ... ብዝብል ቃል እየን ዝጅምራ ኔረን። ﷽ወዲ ኣምላኽ እንተደኣ ዄንካ ኢሉ ሕሹኽ ብምባል ኣብ የሱስ ምጥርጣር ክእትወሉ ፈታቲኑ። ሕጂውን እንተዀነ ተመሳሳሊ ዝዀነ መጥቃዕትታት እዩ ዝጥቀም።
ምጥርጣር ብብዙሕ ዓይነት ክመጽእ ይኽእል እዩ። ሓንሳብ ሓንሳብ ፊት ንፊት ንሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዝጻረር። ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስትያን ብሙሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ብኣምላኽ ዝተደረኸ ቃል ምዃኑ ዝጣራጠሩ ብዙሓት እዮም። ሓንሳብ ሓንሳብ ግና እቲ ዝኸፍአ መጥቃዕትታቱ ኣብ ልዕሊ እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝኣምኑ ግን ከኣ ሓይሊ ቃል ኣምላኽ ከምዝጣራጠሩ ዝገብሮም እዩ። ﷽ብርግጽ ይሰርሕዶ ይኸውን? ኢሎም ሰባት ይሓቱ፡ ይጣራጠሩ። ክርስትያናት ንምሉእ ክፋላት ጽሑፋት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዕለታትን ካልእ እዋናትን እናወዳደሩ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ከውርድዎም ከለዉን ምስ ህይወቶም ምስ ዘየተኣሳስርዎም እተን ጽሑፋት ሓይለን ከምዘይሰርሓ ይዀና። ነቲ ቅኑዕ ትርጉም ናይ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጠውዮ ምስ እትፍትን ተጠንቀቕ፡ ምናልባት ድያብሎስ ምጥርጣር ይዘርኣልካ ከይህሉ ኣስተብህል!{mospagebreak}
ምጥርጣር ንባህርያት ኣምላኽ ምጥርጣር'ውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሕይወትና ዘሸግር ወይ ዘሰምብድ ኩነታት ምስ ዘጋጥመና (ግድን ከኣ ከጋጥሙና እዮም) ክርስትያናት ንፍቕርን ምሕረትን ናይ ኣምላኽ ክጣራጠሩ ይርከቡ። ﷽ከመይ ጌሩ እቲ ፈቃር ኣምላኽ እዚ ኩነታት ኣብ ህይወተይ ክፍጸም ኣፍቂዱ? ዝብል ሓሳብ ይመጽእ። እቲ ሕሹኽ ዝብል ጸላኢ ሕጂውን ስርሑ ይዓዪን ህዝቢ ኣምላኽ ንሕያውነት ወይ ሓይሊ ኣምላኾም ከምዝጣራጠሩ ይገብሮምን። ምጥርጣር ንቡር (ባህርያዊ) ከምዝዀነ ዓይነት ሓንሳብ ሓንሳብ ተነጊሩና እዩ። እምነት እቲ ተፈጥሮኣዊ ዝዀነ ምላሽ ንኣምላኽና እዩ። ንእዮብን ነቲ ክትግምቶ ዘሸግር ዘጋጠሞን ህይወቱ ዝለዋወጠ መግደራታትን (ሽግራት) ብሙሉኡ ተመልከት። ዋላኳ ዓቢ ዝዀነ ክሳራታት፡ ስእነትን ጓሂን እንተጋጠሞ፡ ምላሽ ናቱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝርከባ ዝዓበያ ናይ እምነት ምላሽ ካብ ዝዀና ጽሑፋት ሓደ ኰይኑ ተመዝጊቡ ንረኽቦ። ﷽እግዚኣብሄር ሀበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ። ስም እግዚኣብሄር ይባረኽ፡ ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። እዮ 1፡21
ምጥርጣር ንነፍስ ወከፍ ኣማኒ ኣብ ክርስቶስ ዘለዎ/ዘለዋ ቦታ (ስፍራ) ብዝምልከት እዉን ክመጾ ይኽእል እዩ። እቲ ጸላኢና ንዓና ካብ ክርስቶስ ንኽፈልየና ብምፍታን ወትሩ እዩ ዝሰርሕ። ዋላኳ ነዚ ክገብር ሓይሊ እንተዘይብሉ ብዛዕባ ኣብ ክርስቶስ ዘሎና መንነትና (መን ኢና ኢልና) ክሳብ እንጣራጠር ምጥርጣር ክዘርኣልና ወትሩ ምስ ፈተነ እዩ። እቲ ዝዓበየ ነዚ እንቃወመሉን ጸፊዕና እንመልሰሉን ከኣ ብናይ ኣምላኽ ቃል-ሓቂ እዩ። ክርስትያን ደራሲ ዝዀነ ኒል ኣንደርሰን በዚ ኣርእስቲ ብዙሕ ጽሒፉ ኣሎ፡ ብክርስቶስ መን ምዃንና ዘረጋግጸልና ኣዝዩ ጽቡቕ ዝዀነ ዝርዝር ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ'ውን ኣዳልዩ'ሎ። ነቲ ዝርዝር ንመልከቶ።
ዮሃ 1፡12 ኣነ ዉሉድ ኣምላኽ እየ
ዮሃ 15፡15 ኣነ ዓርኪ ክርስቶስ እየ።
ሮሜ5፡1 ኣነ ጸዲቐ እየ።
1ቆሮ 6፡17 ኣነ ምስ ጐይታ ለጊበየ፡ ምስኡ ሓደ መንፈስ እየ።
1ቆሮ 6፡20 ኣነ ብዋጋ ተዓዲገ እየ፡ ናይ ኣምላኽ እየ።
1ቆሮ 12፡27 ኣነ ኣካል ክርስቶስ እየ።
ኤፌ 1፡1 ኣነ ቅዱስ እየ።
ኤፌ 1፡5 ኣነ ብክርስቶስ ንኣምላኽ ዉሉድ ኰይነ እየ።
ኤፌ 2፡18 ኣነ ብመንፈስ ቅዱስ ብእኡ ናብ ኣቦ መእተዊ ኣሎኒ።
ቆሎ 1፡14 ኣነ ድሒነን ሕድገት ናይ ኩሉ ሓጢኣተይ ረኺበን እየ።
ቆሎ 2፡10 ኣነ ብክርስቶስ ተመሊአ ኣሎኹ፡ ምሉእ እየ።
ጥበራ
ሰይጣን ኣንጻር ቤተክርስትያን ዘጥቅዓሉ ካልኣይ መሳርሒ ድማ ጥበራ እዩ። ሰይጣን ንባዕሉ ሓሳዊ እዩ ኢሉ የሱስ ስለዝገለጾ እዚ ከገርመና የብሉን። ሰይጣን ንሓቂ ክጠዊ፡ ንሰባት ከዳናግርን ናብ ስሕተት ክመርሕን ባህ እዩ ዘብሎ። እዚ ድማ ነቲ ዶክትሪን ናይ ክርስትያን ( ) ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያንን ብዘይ ቤተክርስትያንን ክንርኢ ከሎና ኣዝዩ ግልጺ ይዀነልና። እዚ ብዛዕባ ጸጋ ክርስትና ዘይምፍላጥ ወይ ዉን ንመጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ከምተጻሕፈ ክሳብ ምንጻግ ክበጽሕ ይኽእል እዩ።
ሃዋርያ ጳውሎስ ቤተክርስትያን ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ብዛዕባ ከጋጥማ ዝኽእል ገድሊ ብፍላይ ከኣ ን﷽ሓቂ ብዝምልከት ኣብ 2ይ ጢሞ 3፡7-8
﷽ኵሉ ሳዕ ዚመሀራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን...ከምቲ እያኔስን እያምብሬስን ንሙሴ እተቓወምዎ፡ እቶም ኣእምሮኦም ዝጠፍኤ፡ ብእምነት ዘይተፈተኑ ሰባት ድማ ከምኡ ነታ ሓቂ ይቃወምዋ ኣለዉ። ኢሉ ካብዚኣቶም ክንጥንቀቕ ይዛረበና።
እዚ ጽሑፍ ኣብዛ ናይ ሎሚ ቤተክርስትያን ጎሊሑ ዝርአ ስለዝዀነ ኢድ ናይ ሰይጣን ከምዘለዎ ብቐሊሉ ክንርኢ ንኽእል። ሎሚ ኣብ ኣብያተ ቤተ ክርስትያናት ሕጽረት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ የሎን። ግን ከኣ ኣብ ክንዲ እቲ ቃል ኣምላኽ ዝብለና ክንነብሮ እንፍትን ብዛዕባ ትርጉም እቲ ቃል ኣብ ምክታዕ ግዜና ነሕልፎ። በዚ ድማ ከምቲ ያዕቆብ ኣብ ያዕ 1፡22 ﷽ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ ኢሉ ዝገለጾ ዓይነት መፈንጠራ ወዲቕና ንርከብ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዘይ ግብሪ ሓደ ካብ ዓበይቲ ጥበራታት ናይ ሰይጣን እዩ።{mospagebreak}
እዚ ከምዚ ዓይነት ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ጥበራ ናይ ሰይጣንን ቤተ ክርስትያን ብዘይ ሓይሊ ከምእትተርፍን ከምቲ ኣምላኽ ዝደልያ ከይትዓዪን ጌሩዋ'ሎ። ጆርጅ ኦቲስ ብዛዕባ እዚ ሓይሊ ኣልቦነት ናይ ቤተ ክርስትያን ከምዚ ክብል ገሊጹዎ።
﷽ቤተ ክርስትያን ቀሪባ ርእሳ ክትፍተሸሉን ክትምርመረሉን ዝግባኣ እዋን እንተደኣ ኣልዩ ኰይኑ እቲ እዋን ሎሚ እዩ። ብዘሕዝን ኩነታት ግና ክርስትና ዓለምና ኣብ ኣዝዩ ዝተሓተን ባይታ ዝዘበጠን መንፈሳዊ ኩነታትን ተሸሚሙ ይርከብ። ኣብ ዝኸድካዮ መለኮታዊ ሓይሊ ምኽፋት ቃል ንሃይማኖታዊ ወግዒ ቦትኡ ሓዲጉ ይርከብ። ሕብረታት ብቑጽሪ ምእመን ኣዝዮም ክተዓጻጸፉ ንርኢ ግን ከኣ ኣባላት ብባሕርያት ክበስሉ ኣይረኣዩን። ብዙሓት ፕሮግራማት ኣለዉ፡ ፍርሓት ኣምላኽ ግና ትሑት እዩ ዘሎ። ኣብ ዝኸድካዮ ቦታታት ምዕቡላት-ኣመንቲ ብዛዕባ ዘይጥዑይ ኩነታቶም ፈጺሙ ዝተረድኦም ኣይመስሉን እዮም። ብሕማም ናይ ሎዲቅያ ቤተ ክርስትያን ተታሒዞም ክንሶም ነዚ ናይ ምምስሳል ኩነታቶም ከም ጽቡቕን ወረግ ከም በረኸትን ጌሮም ይቖጽርዎ።(ራእ 3፡14-17 ተመልከት)።
﷽ናይ ከምዚ ዓይነት መንፈሳዊ ርእሰ-ክሕደት ዘፍርሕ ውጽኢቱ ኸኣ ቤተክርስትያን ነዚ እዋናዊ ቅልውላው ብንጹር ቃላትን ብዘየማትእ መገዲን ክትዛረበሉ ዘይትኽእል ምህላዋ እዩ። ምዕራባውያን ፖለቲከኛታት ካብ ቤተ ክርስትያንን ካብ ናይ ጸሎት መርበባትን ምርሒት ይሓቱን ﷽ኣብ መላእ ዓለም ክበጽሕ ዝኽእል ምኽሪ ረኺብና ይብሉን። እቶም ጠቢባንን መስተውዓልቲን ሓያላን መራሕቲ (ደሲሺን ሜከርስ) ብኣንጻሩ ዕዉራት መራሕቲን ስጋውነት ዘጸልመቶም ኣማኸርትን እዮም ረኺቦም (ሐቅተቶዋቅ ሠtቕዘ, ሖቶ. “ልሽቃቕቦዋ ማቕዋht,” ሖሽቦችሽቶኅ 2003)
ተስፋ ምቑራጽ
ብዙሕ ግዜ ንሰባት ርእሶም ብምውቓዕ ናብ ቤተ ክርስትያን ንኽመጹ ካብ እንጥቀመሎም ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ እብ 10፡25 እዩ﷽... እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከምዘላ፡ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ ኣሎኹም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ ኣኼባና ኣይንሕደግ። ዕላማ ናይዚ ጥቕሲ ግና ንምትእኽኻብ ጥራይ ዝዛረብ ዘይኰነስ ብቐንዱ ነንሕድሕድና ንክንመዓዐድን ክንተባባዕን እዩ።
ሓደ ካብ ተግባራዊ ምኽንያታት ትእዛዝ ናይዚ ጥቕሲ እዚ ንናይ ተስፋ-ምቑራጽ ስትራቴጂ ናይ ጸላኢ ንምብርዓን እዩ። ነቲ ፊት ንፊት ብሞራላዊ፡ ሓቂ፡ ናብራ ቅድስናን፡ ዝጠመተ መጥቃዕትታት ሰይጣን ብዙሓት እሙናት ክርስትያናት ተቓዊሞም ደው ኢሎም ክንሶም ብተስፋ-ምቑራጽ ዓዊሮም እዮም። ገለ ቃላት ነቐፌታ ኣብዚ፡ ወይ ኣብቲ፡ ገለ ﷽ዝኸብድ መዓልቲ፡ ሓድሽ ራእይ ምጥፋእ፡ ብመደብ ዘይከይድ ፕሮግራም፡ ብድሕሪኡ ድማ ብሃንደበት ንርእስና ኣብ ተስፋ ምቑራጽ ንረኽባን ብኸምዚ ክንቅጽል ዲናስ ወላ ኣይኰንናን ኢልና ብምግራም ንሓስብ።
ብዙሓት ዓበይቲ ናይ ኣምላኽ ሰባት (ኣንስቲን ኣሰብኡትን) ብሰንኪ ተስፋ-ምቑራጽን ጽቕጠትን ብብርቱዕ ሓሚሞም እዮም። ምናልባትውን እቲ ዝነጸረ ምሳሌ ክዀነና ዝኽእል ነቢይ ኤልያስ ደድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ ነብያት በዓል ዝተጓናጸፎ ዓቢ ዓወት ዘጋጠሞ ኩነታት እዩ። ድሕሪ እቲ ዓወቱ ንግስቲ ኢዛቤል ክቕተል ትእዛዝ ኣመሓላለፈት። ኤልያስ ካብ ፍርሒ ዝተላዕለ ብጉያ ብምህዳም ኣብቲ ኣብ 1ይ ነገስት 19፡4 ዝተጻሕፈ ኩነታት ክወድቕ ከሎ ንርኢ ﷽...ናብ ሓንቲ ኺለዓው መጺኡ ኾፍ በለ፡ ሞት ተመንዩ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ እሞ፡ ሕጂ ይኣኽለኒ፡ ንነፍሰይ ውሰዳ፡ በለ። እዚ ኣብ ሓደ ዓቢ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዝተራእየ ብርቱዕ ተስፋ-ምቑራጽ እዩ። ናይ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምትእትታው ጥራይ እዩ ንናይ ኤልያስ ተስፋ-ምቑራጽ ኣጥፊኡ ናብ ንቡር ክመልሶ ዝኸኣለ።
ምናልባት ንስኻ ኣብ ትሕቲ ገረብ ኪልዓው ኮፍ ኢልካ ሞት ኣይተመነኻን ትኸውን፡ ተስፋ-ምቑራጽ ግና ንንፈሲ ወከፍና ከጥቅዕ ይኽእል እዩ። በዚ ጉዳይ ዝመጸ እቲ ዝዓበየ ቃል ኣምላኽ ንቤተ ክርስትያን ﷽ነንሕድሕድና ክንጸናናዕ ዝተጸዋዕና ምዃንና እዩ። ነፍስ ወከፍና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኣብ እምነት ክንሃንጽ ይግበኣና። ምትእኽኽእብና ዓቢ ናይ ምጽንናዕን ምትብባዕን ጊዜያት ክኸውን ይግብኦ። ናይ ምድግጋፍን ምትህንናጽን ቦታ ምዃና ዝተፈለጠት ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስትያን ምህዞታትን መደባትን ናይ ጸላኢ ዝፈርሰላ ቦታ እያ።
ብዛዕባ ተስፋ-ምቑራጽ ﷽ዝሽየጥ መሳርሒታት ናይ ድያብሎስ ዝብል ሓደ ናይ ቀደም ዛንታ ኣሎ።
﷽ድያብሎስ መሳርዋïታቱ ንመሸጣ ቀሪቡዎ ዝብል መወዓውዒ ወጸ። በታ ዕለት እቲኣ ህዝቢ ንኽርእዮ መሳርሒታቱ ዘበለ ተቐረበ። ኩለን ዋጋታት ተጠቂዕወን ነበረ። ብሙሉአን ድማ ናይ ግብሪ እከይ መሳርሒታት ነበራ፤ ጽልኢ፡ ቅንኢ፡ ቅንኣት፡ ጥበራ፡ ትዕቢት፡ ሓሶት፡ ወዘተ...። ካብ ኩሎም መሳርሒታት ድያብሎስ ተፈልያ ዝተቐመጠትን ወላ ሓደ ጉድኣት ዘይብላ እትመስልን ግን ከኣ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዝተጠቅዓ መሳርሒት ትርአ።
ካብቶም ዓደግቲ ሓደ ﷽እዛ መሳርሒት እንታይ ትበሃል? ክብል ሓተተ፡
﷽እዚኣ ተስፋ-ምቑራጽ ትበሃል ክብል መለሰ ድያብሎስ።
﷽ስለምንታይ ዋጋኣ ኣኽቢርካያ?
﷽ምኽንያቱ ካብ ኩለን መሳርሒታት ንላዕሊ ኣዝያ ስለእትጠቕመኒ። ንሰብ በተን ካልኦት መሳርዋïታተይ ተጠቒመ ክቐርቦ ኣብ ዘይክእለሉ እዋን በዛ መሳርሒተይ ጌረ ብቅሉዕ ከጥቅዖን ናብ ልቡ ብቐሊሉ ክኣትወላ ዝኽእልን ስለዝዀነት እያ ኢሉ መለሰ።
ተስፋ-ምቑራጽ ካብ ጸላኢ ምዃኑ ምርዳእ ክንጅምር ከሎና፡ ኣጽዋር ውግእና ተጠቂምና ክንቃወሞ ንጅምር።ብመንፈስ ቅዱስ ንዝተመልአ ዉሉድ ኣምላኽ ብተስፋ-ምቑራጽ ተመሊኡ ምምልላስ ባህርያዊ ኣይዀነን። እዚ ሰይጣን ኰነ ኢሉ ብዘይ ስራሕ ክንጽጋዕ ዝገብሮ መጥቃዕቲ እዩ።
ምፍልላይ
ፍራንሲስ ፍናንጂፔን ዝተባህለ ሰብ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ﷽ኣዝዩ ዝለሓመ ናይ ስሕተት ትምህርቲ እንተ ኔሩን ብኣንጻር እቲ ቅኑዕ ትምህርቲ ክርስቶስ ብኣካል ክርስቶስ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣዝዩ ዘስፋሕፍሐ ትምህርቲ እንተደኣ ኔሩ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ዝኣተወ ናይ ምፍልላይ ባህሊ እዩ።
ካብተን ኣድማዕቲ ስትራተጂታን ናይ ሰይጣን ሓደ ኣብ ኣካል ክርስቶስ ምፍልላይ ምምጻእ እዩ። ሰይጣን ኣካል ክርስቶስ ፋሕ ፋሕ ዝበለትን ዝተፈላለየትን ቤተ ክርስትያን ንኽትከውን ምጽዓቱ ዘገርም ኣይኰነን፡ ምኽንያቱ የሱስ ብኣንጻሩ ስለዝምነ። እቲ ናይ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 17 ዝዓበየ ናይ የሱስ ናይ ሊቀ ክህነት ጸሎት ቀንዲ ኣተኩሮኡ ሰዓብቱ ክሓብሩ (ሓደ ክዀኑ) እዩ ኔሩ። ብርትዕቲን ስምርቲን (ዝሓበረትን) ቤተ ክርስትያን ንዓለም ምስክር ፍቕሪ ኣምላኽ እያ። ሰይጣን ድማ ነዚ ምስክርነት ከጥፍእ ዝከኣሎ ዘበለ ይገብር ኣሎ።
ኣንጻር እዚ ውግእ ካብ እነልዕለን ኣጽዋር ውግእና ሓደ ንዉዲት ናይ ጸላኢ ምፍላጥ እዩ። ሰይጣናዊ ባህሪ ናይ ምፍልላይ እንተደኣ ዘይፈሊጥና ምኽኒታት እናደርደርና ወይ ከኣ ሓንሳብ ሓንሳብ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘጋጥም እዩ ዝብል ግምት ከነሕድር ንኽእል ኢና። ንሕና ከም ቤተ ክርስትያን ኣብ ዓንኬል መጥቃዕቲ ከምዝኣቶና ብንጹር እንተደኣ ጠሚትና ግና ብኹሉ ሓይልና ዝተኸፍለ ከፊልና ንቤተ ክርስትያንና ኣንጻር ምፍልላይ ደው ምበልናላ።
ኣባላት ናይ ሓንቲ ሕብረት ምስ ጸላኢ ክዋግኡ ደው ኣብ ዝብሉሉ እዋን ﷽ጸላኢ እንታይ እዩ ክገብር ዝፍትን ዘሎ? ሕቶ እንተዝሓቱን ናብ ጐይታ ምልስ ኢሎም ድማ ﷽ጐይታ! ንውግእ ጸላኢ ኣንጻር ህዝብኻ ብኸመይ ኢና እንገጥመሉ? ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ እንተዝሓቱ ንጸላኢ ንምጽራር ኣዝዮም ድሉዋት ይዀኑ።
ቤተ ክርስትያን ምኽንያት ምፍልላይ ዝዀኑ ነገራት ከጋጥሙዋ ከለዉ፡ ናይ ጸሎት ሕብረት ካብ ናይ ቦርድ ኣኼባታት ብዝበለጸ ኣድማዒ ይኸውን። ምፍልላይ ኩሉ ግዜ መንፈሳዊ ምንጪ ዘለዎ ኰይኑ ወትሩ ድማ ናይ ጸላኢ ኢድ ኣለዎ። ነቲ ኣብ ኣፍ-ደገ ዘሎ ነገር ልቢ ዝተንከፈን ካብ ልቢ ዝነቐለን ጸሎት ኣካል ክርስቶስ ጥራይ እዩ ክፍውሶን ንድያብሎስ ብምልኣት ክስዕሮ ዝኽእል።
ኣብ ማእከላይ ኢንድያና ናይ ጸሎት ሰሚናር ዝመሃርኩላ ቤተ ክርስትያን ፈጺመ ኣይርስዓን እየ። ኣብታ ናይ ሽዓ ዕለተ ሰንበት ንጉሆ ኣንጊሀ ናብታ ቤተ ክርስትያን ምብጽሐይ ንኣምላኽ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ። ናብ ማእከል እታ ቤተ ክርስትያን ምስበጻሕኩ ሓደ ደርዘን ዝኣኽሉ ሰባት ኣብ ማእከል እቲ ኽፍሊ እንዳዞሩ ክጽልዩ ምርኣየይ ኣገረመኒ። ንሳቶም ንነፍስ ወከፍ ኮፍ መበሊ ጠዋሉ ኢዶም እንዳንበሩ ክጽልዩሉ፡ ናብ ኩሉ ኩርንዓት ክጽልዩን፡ ፍሉይ ዝዀነ ህላዌ እግዚኣብሄር ንክገሃድ፡ መንፈስ ቅዱስ ብሓድሽ ምሕላፍ ክድህስስን፡ ካብ መጥቃዕትታት ናይ ጸላኢ ክሕልወናን ይጽልዩ ነበሩ። እኩባት መራሕቲ ክርስትያናት ተኣኪቦም ንሰይጣን ከጥቅዑን ንድያብሎስ ካብ ሕብረቶም ከርሕቁን ምርኣይ ከመይ ዝበለ ብርቱዕ ኣገባብ እዩ!!